Friday, August 7, 2015

ኣብ ከተማ ጭላ ብንግዲ ዝመሓደሩ ዜጋታት ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ዘለዎም እወንታዊ ኣረኣእያን ሓሳብን ብረቂቕ እናተፀንዐ ልዑል መጠን ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ከተማ ጭላ ዝርከቡ ነጋዶ ክኸፍልዎ ዝዉሰነሎም ዘሎ ግብሪ ብመጠን ኣታዊኦም ተፀኒዑ ዘይኮነስ እቲ ሰብ መዓልታዊ ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካየዱ ዘለዉ ዉድባት ብዝተኣሳሰረ እንታይ ይዛርብ?፤ ምስ መን ይራኸብ?፤ ናይ መን ደጋፊ እዩ?፤ ብደቂቕ ክፅናዕ እንተሎ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ገዛኢ ስርዓት ዝቃወም ምዃኑ ብመንገዲ ኣባላቶም ሓበሬታ ተረኺቦምሉ ከም ቅፅዓት ዝሕሰብ ዓቕሙ ብዘዳኽም ሰፍ ዘይብል ግብሪ ወሲኖም ክፈል እናበሉ የጨንቕዎን የከላብትዎን ከም ዘለዉ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ደረጃ “ሐ” ዝርከቡ ነጋዶ ስሩዕ ግብሪ ምኽፋል ዝዉዳኣሉ 30 ሓምለ 2007 ዓ.ም ከም ዝኾነ እቲ ስርዓት መምርሒ እኳ እንተዉረደ ብፍላይ ኣብ መቐለን ሽረን ነቲ ኣብ መፅናዕቲ ዘይተደረኸ ዝምቡዕ ኣወሳስና ግብሪ ነጋዳይ መኽፈሊ ስለ ዝሰኣነሉ ክሳብ ሕዚ ዝኸፈለ ትሕቲ 50 ሚኢታዊ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ዘይከፈለ ካብ 1 ነሓሰ ጀሚሩ መዓልታዊ 5 ሚኢታዊ ቅፅዓት እናወሰኸ ክኸፍል ክግደድ ከም ዝኾነ መጠንቀቕታ ምስተመሓላለፈ ግና እቶም መኽፈሊ ዝሰኣኑ ነጋዶ መፍትሒ ሓርቢትዎም ኣብ ወጥርን ጭንቕንቕን ከም ዝርከቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወስኹ ኣፍሊጡ።