Friday, August 7, 2015

ኣብ ኩለን ክልላት ሃገርና ዝነብር ብርክት ዝበለ ስድራ ቤት ካብ መረበቱ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ምድላዉ እናተሰጎጎ እቲ መሬት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ንዝነብሩ ዜጋታት ክዕደል እዩ ይብሃል ከም ዘሎ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



    ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ  ብሽም መቐበሊ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ወይ ዲያስፖራ እናበሉ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ድልውነትን ተለዋጢ መሬትን ከይሃቡ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ንዝነብር ሕብረተሰብ የፈናቕሉ ኣብ ዘለዉሉ እቲ ህዝቢ ድማ እዞም ዲያስፖራ እትብልዎም እንታይ ስለዝኾኑ እዩ ንዕኦም ክትብሉ ካብ መረበትና  ተባሩርና ዘለኹም ንሕና ኸ ደቂ ሃገር ዶ ኣይኮናን ኢና?፤ ቆላዓ ሰበይቲ ሒዝና ኣበይ ክንሰፍር ደሊኽሙና? ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።
   ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ናይ ዜጋታት መንበሪ መሬት ናይ ምርካብ መሰል ጥሒሱን  ግቡእ ካሓሳ ከይሃበን ካብ መንበሪኦም  ብምፍንቓል  ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ  ካብ ዲያስፖራ ወገናትና  ንሰብኣዊን ዴሞክራሲያውን መሰል ህዝቢ መርገፅን ንፖቲካዊ ረብሕኡ ዝውዕል ገንዘብ ንምርካብ ክብል ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝንነብር ሕብረተሰብ ፅልኢ ክፈጥር ላዕልን ታሕትን እናበለይ ይርከብ ዝበለ እቲ ሓበሬታ እዚ እከይ ተግባር ከኣ ኣብ ምሉእ እዛ ሃገር መፍትሒ ስኢኑ ዝፀንሐን ንብዙሓት ወገናት ናብ ድኽነት ዘእተወን ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ተዓዘብቲ ክገልፁ ምፅንሖም ይፍለጥ።