ዑደት ፕረዚደንት ባራክ ኦቦማ ምኽንያት ብምግባር ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ
ህዝቢ እናኣከቡ ንፖለቲካዊ መስርሕ ይጥቀሙሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ'ቲ ናብ ህዝቢ ዘቕርብዎ ዘለዉ ሓሳባት ንሕና ጉድለት
ሰናይ ምሕደራ ከም ዘለና እናገለፅና ፀኒሕና ኢና። ምኽንያቱ ናይ'ዚ ከኣ ዘይተምሃረ ሕብረተሰብ ስለ ዘለና‘ዩ ክብሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ
ጎስጓስ የካይዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
እዞም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ሕሱር ፖለቲካዊ ጎስጓሶም በዚ
ከየብቅዑ ኣሜሪካ ኣብ'ዚ ሕዚ በፂሓቶ ዘላ ህንፀት ዲሞክራሲ ዝበፀሐት ንልዕሊ 200 ዓመታት ጉዕዞ ዝወሰደ'ዩ ብምባል ኣብ ዝምድሩሉ እዋን ህዝቢ ብወገኑ እሞ ንልዕሊ 200 ዓመታት ብዘይ
ዴሞክራሲ ክንረግፀኩምን ክንድብድበኩምን ኢና ድኹም እትብሉ ዘለኹም ብምባል ነቲ ዝቐረበ ኣጀንዳ ከም ዝተቓወሞ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት
ሃገርና ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።