ምንጭታትና ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝሓበርዎ
ሕብረት ሸማቶ ተባሂሎም ብገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝቖሙ ትካላት ዕለታዊ ጠለብ ህዝቢ ከማልኣ ብዘይ ምኽኣለን ነባሪ እታ ከተማ ብከቢድ
ተጎዲኡ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ድማ ከም ጥረ-ምረን ዘይትን ዝኣመሰሉ ጠለባት ኣብ ዕዳጋ ጠቕሊሎም ስለ ዝተሳእኑ። ኣብ
ድኳናት ድማ ዕሹግ ምግብታት ተዘይኮይኑ ካልእ ጠለባት ክርኸቡ ከም ዘይክኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብ'ዚ ብምብጋስ ድማ ህዝቢ ዝደለዮም ሸቐጣት
ኣብ ዕዳጋ ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ ብቐደሙ'ዉን ስርዓት ኢህወዴግ ሕብረት ሸማቶ ኢሉ ምቛሙ ነጋዶ ከም ድሌቶም ከይሰርሑ ንባዕሉ ብዝጥዕሞ
ምእንቲ ክኸይድ ዝገበሮ ሜላ ድኣ’ምበር ካብ ብዓንተብኡ ንህዝቢ ሓልዩ ዝገበሮ ብዘይ ምንባሩ ብስእነት ቀረብ ማሕበራዊ ጠለባት ንሳቐ
ኣለና ክብል መረረቱ የስምዕ ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።