ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ
ዋጅራት ጣብያ ዓምዲ ወያነ ቑሸት ዳንግላት ዝርከቡ ኣማሓደርቲ፣ ካብ ምምሕዳር ንዘተልኣኹ ሓንፅፅቲ መሬት ዝውዕል ገንዘብ ካብ ሓደ ገባር 100 ብር ከዋፅእ ብምግዳድ ልዕሊ 40 ሽሕ ቅርሺ ናብ ፋይናንስ ኣታዊ ከይገበሩ ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም ከም
ዘውዓልዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እቶም ነበርቲ ነቲ ዘዋፅእዎ ገንዘብ ቅብሊት ወረቐት ንኽዋሃቦም እንተሓተቱ እውን ኣውንታዊ
ምላሽ ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ።
ወሲኹ
እቲ ሓበሬታ፣ ንሽግሽግ መሬት ዝውዕል ካብ ሕድ ሕድ ገባር 5 ቅረሺ ጥራሕ ንከዋፅእ ብህዝቢ ዋላ'ኳ ተኣሚኒሉ እንተኾነ፣
እቶም ኣማሓደርቲ ግን ስልጣኖም ተጠቒሞም ህዝቢ ዘይኣመነሉ ልዕሊ
100 ቕርሺ ክኸፍል ምግዳዶም ካብ ሕጊ ወፃኢ ምኽዳም ከይኣክል፣
እቶም ሓንፀፅቲ መሬት እነተኾነ 'ውን ናብ ስራሕ እንትዋፈሩ ዉዕሎ ኣባል ብመንግስቲ እናተኸፈሎም ብተወሳኺ ካብ ህዝቢ 100 ቅርሺ
ብሽሞም ብምዉፃእ ሓንፀፅትን ኣመሓደርትን ተሻርኾም ንነባሪ ህዝቢ ኣብ ምምዝማዝ ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ ገሊፁ።