Friday, January 8, 2016

ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ብዘይ ሓደ ገበን ኣሲርዎም ዘሎ ንፁሃት ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ንኽፈትሖም ኣሜሪካ ፀዊዓ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ጋዜጠኛታት ይኹን ካልኦት ፀሓፍቲ ንፁሃት ወገናት ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ተጠቒሞም ሓሳቦም ብነፃ ስለ ዝገለፁን ስለ ዝፀሓፉን፣  ዝተፈላለየ ኣሽማት እናፀለመ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጒንዎም ንዝርከብ ንፁሃት ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ክፈትሖም ኣሜሪካ ፀዊዓ።
ብመንገዲ ወሃቢ ቃል ቤት ምክሪ ሃገራዊ ፀፅታ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይትስ  ብዕለት 21 ታሕሳስ 2008 ዓ/ም መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ  ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት  ዝፈፀሞም ማእሰርቲ ንኣሜሪካ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦም ኣፍሊጦም።
ኣብ መወዳኣታ እቲ ሓበሬታ፣ ኢትዮጵያ እትጥቀመሉ ኣዋጅ  ፀረ_ ሽበራ  ንድምፂ ሰላማዊ ቃልሲ፤ ተቓውሞ፤ ነቐፌታን ሓሳባትን መዐፈኒ ገይራ ካብ ምጥቃም ንኽትስርዞ ኣሜሪካ ፀዊዓ ክብል ገሊፁ።