እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ
ከተማ ኣምቦ ብዕለት 22 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም ተምሃሮ ሰልፊ ወፂኦም ተቓውሞኦም ክገልፁ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ኣብቲ ከተማ ዝርከቡ ፌደራል
ፖሊስ ነቲ ተቓውሞ ንምብታን መንገድታት ክዓፁ እኳ እንተፈተኑ። እንተኾነ ግን ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክሳብ ታሕተዎ ኣብያተ
ትምህርቲ ዝርከቡ ተምሃሮ ብልዑል ናህርን ቁጠዐን ተፀምቢሮም ሓቢሮም ክወፁ ምኽኣሎም ተገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ከም ዘርዶኦ፣እቲ
ረብሓ ህዝቢ ዝፃባእ ኣዋጅ ምስሉይ ማስተር ፕላን ሰበ ስልጣናት እቲ ስርዓት ህዝቢ ጨፍጫፍ ምስ በዝሖ ክገድፎ እዩ ዋላ እኳ እንተበሉ፣
እንተኾነ ግን እዚ ጉዳይ ፍትሓዊ መዕለቢ ከይተገብረሉ እቲ ተቓውሞ ብዝኾነ ዓይነት ከይተቋረፀ ክሳብ መወዳእታ ናይ ሂወት መስዋእትነት
ክንከፍለሉ ኢና ብዝብል ሕራነ ኣብ ህዝቢ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።