ከም
ሓበሬታ ምንጭታታና እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝቐነዐ ተቓዉሞ ህዝቢ መቐፀልታ ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ምስ ከተማታት ዙርያ ፊንፊኔን ማስተር ፕላን ተኣሳሲሩ ዝተለዓለ ኮይኑ፣ ኣብቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ፣ "ኢህወዴግ ዕድመ
ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ዉድባት መጥቃዕቲ ደው የብል፤ ገዛኢ ስርዓት ሰብ ስለ ዝተቓወመ ኣሸባሪ እናበልካ ምእሳር
የቋርፅ፤ ህዝቢ ናይ ምቅዋምን ምፅሓፍን መሰሉ ክሕሎ ኣለዎ፤ በቲ ስርዓት ዝተቐተሉ ዜጋታት ቤተሰቦም ካሕሳ ክኽፈሎም ኣለዎ።"
ዝብሉ ጭርሖታት የስምዑ ምህላዎም ተገሊፁ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተቓውሞ ሰልፊ
ካብ ዝካየደሎም ዘሎ ከባብታት ሃገርና ብዙሓት ኮይኖም ብፍላይ ከዓ ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ሃረርጌ፤ ኣብ ሂርና ከተማ ጭሮ ወረዳ
ኣዳኩሉ፤ መኢሶ ዝርከባ ከተማታትን ገጠራትን ብ29 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም ቀትሪ ካብ ሰዓት 6-9 ኣብ ዘካየድዎ ሓያል ሰላማዊ ሰልፊ፣
"ኢህወዴግ ብፖለቲካ ክሰርሕን ክመርሕን ኣለዎ እምበር ብሓይሊ ንህዝቢ ይኹን ንተቓወምቲ ክጭፍልቕ ኣይግባእን" እናበሉ
ድምፂ ተቓውምኦም የቃልሑ ኣብ ዝነበርሉ፣ ኣብ ከተማ ጭሮ ጥራሕ 20 ሰልፈኛታት ብሓይልታት ፀጥታ ገዛኢ ስርዓት ብከቢድ ከም ዝቖሰሉ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ
ካብ 4 ሕዳር 2008 ዓ.ም ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ተኸታታሊ ተቓውሞ ህዝቢ ብሓይሊ ንምቅሃም ዝፅዕር ዘሎ ገዛኢ ስርዓት፣ ክሳብ ሕዚ
ልዕሊ 140 ንፅሃት ዜጋታት ከም ዝቐተለ ብዓለም ለኸ ትካላት ተረጋጊፁ እናሃለወ፣ እቲ ስርዓት ግን 5 ሰባት ጥራሕ ከም ዝቐተለ
እዩ ዝገልፅ።
No comments:
Post a Comment