Friday, January 8, 2016

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ብዝተልዓለ ናይ ተምሃሮ ተቓውሞ ስዒቡ ፌደራል ፖሊስ ናብቲ ቀፅሪ ውሽጢ ብምእታው ብዝሓዝዎ ሰደፍ ብረትን በትርን እናቀጥቀጡ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ጉድኣት ከም ዘብፅሑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ምስ ፍሉይ ዞባ ዙርያ ኣዲስ ኣበባን ዝርከባ ከተማታት ኦሮሚያ ብልምዓት ምትእስሳር ብዝብል ጉልባብ ንዘውፀኦ ሓዱሽ ኣዋጅ ማስተር ፕላን  ምኽንያት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ገጥራትን ኦሮምያ ህዝቢ  ኣንፃር እቲ ዝወፀ ኣዋጅ ተቓውሞ ምልዓሉ ስዒቡ በቲ ስርዓት ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ዑጡቛት ሓይልታት ኣዋፊሩ ንሕስያ ብዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ናይ ሞትን ማእሰርትን መግራፍትን እናካያደ ነቲ ናዕብታት ብሓይሊ ከህደኦ እኳ እንተፈተነ ሕዚ እውን እቲ ተቓውሞታት ይቕፅል ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
በዚ መሰረት ድማ ብዕለት 21 ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ተቓውሞኦም ብሰለማዊ መንገዲ ኣብ ዝገልፅሉ እዋን ፌደራል ፖሊስ ናብ'ቲ ውሽጢ ናይ ዩኒቨርስቲ ቀፅሪ ብምእታው ብዘካየድዎ ስጉምትታት ስለስተ ተምሃሮ እንትቕተሉ፤ ካልኦት ካብቲ ፌደራል ፖሊስ ዘካይድዎ ስጉምትታት ንምምላጥ ክብሉ ሰለስተ ተምሃሮ ካብ ሳልሳይ ደብሪ ዘሎዎ ፉቅ ዘሊሎም ከምልጡ ኣብ ዝፈተንሉ ብኸቢድ እንትህሰዩ 40 ዝኾኑ ድማ  ብፌደራል ፖሊስ ከቢድ ጉዳኣት ከም ዝበፀሖም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ብተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ዝተልዓለ ተቓውሞ ኣብ ዙርያ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘይምርግጋዕን ዕግርግርን ፈጢሩ ምህላው ኣረዲኡ።