Saturday, January 16, 2016

ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ሽግራት ብዝኸፈአ ተጋዲዶም ይቕፅሉ ብምህላዎም ህዝቢ ኣዝዩ ተሸጊሩ ከም ዝርከብ ተገሊፁ።



ኣብ ክልል ትግራይ ሽግር ሰናይ ምምሕዳር ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፍአ ይኸይድ ብምህላዉ መላእ ህዝቢ ካብ ኣካላት መንግስቲ ዝግብኦ ኣገልግሎት ኣብ እዋኑ  ይረክብ ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ ከዓ ነበርቲ ከተማ ኣክሱም ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘካይድዎ ህዝባዊ ዋዕላ ህዝቢ ብስእነት ፍትሒ ኣዝዩ ተፀጊሙ ኣሎ ክብሉ ከም ዝተዛረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 
እቶም ነበርቲ እታ ከተማ ኣብቲ ብ1 ጥሪ 2008 ዓ/ም ዘካየድዎ ኣኼባ ከም መዘጋጃ ቤትን ምምሕዳርን ዝኣመሰሉ መንግስታዊ መሓዉር፣ ብጉቦን ግዕዝይናን ተበላሽዮም ኣለዉ ምስበሉ፣ ነቲ ዝረአ ፀገማት ንምዕራይ ናብ ክልል ይኹን ናብ ዞባ ኣብ ዝጠርዕሉ ነቲ ሽግር ክፈትሑ ተባሂሎም ዝተልኣኹ ነቲ ፀገም ካብ ምግዳድ ወፃኢ ሓንቲ ፍታሕ ስለ ዘየምፅኡ፣ እቲ ብደጀን በርሀ ናይ ዞባ ማእኸል ምክትል ኣመሓዳሪ ምስ ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ብምዃን ዝተመርሐ ኣኼባ ብዘይ ሓንቲ መዕለቢ ክብተን ከም ዝኸኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment