Sunday, November 18, 2012

አብ ወተሃደራት ስርዓት ወያነ ብሰንኪ እቲ ግዕዙይ ምሕደራኡን አታሕዛን ዓቕሊ ፅበትን ጭንቀትን ዘበገሶ ነብስኻ ብጥይት ምውቃዕን ምጥፋእን ማዓልታዊ ተርእዩኮይኑ ከምዘሎትሓቢሩ።።






ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፈአ ዝኸይድ ዘሎ አብ ዉሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ስርዓት። ዓቅሊ ፅበትን ጭንቕትን ዘበገሶ ባዕልኻ ብጥይት ነብስኻ ምቑሳልን ምጥፋእን ልሙድ ኮይኑ ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ሆስፒታላት  ስራዊት ምክልኻል ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብምሰረት እቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ ባዕልኻ ንባዕልኻ ነብስኻ ምጥፋእ ማዓልታዊ ተርእዩ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኣቁፂሩ ክንሱ መፍትሒ ስለ ዘይተገብረሉ አብዚ ሕዚ እዋን ግን ብዝኸፈአ መልክዑ  ይቕፅል ከም ዘሎ ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ዓዲ ኮኻብ ካብ ሞት ተርፎም ደቂሶም ዝሕከሙ ዘለዉ ኣብነት ንምጥቃስ=-
ካብ 35 ክፍለ ሰራዊት =6 ሰባት
ካብ 33 ክፍለ ሰራዊት =3 ሰባት
ካብ 31 ክፍለ ሰራዊት =4 ሰባት
ካብ 24 ክፍለ ሰራዊት =5 ሰባት
ካብ 22 ክፍለ ሰራዊት =2 ሰባት
ብድምር 20 ወተሃደራት ስርዓት ወያነ ብናይ ባዕሎም ጥይት ቆሲሎም ይሕከሙ ከም ዘለው ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣