Monday, November 19, 2012

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከተማ ሸራሮ ብዋና ኣማሓዳሪ ጥላሁን በርሀ ዝምራሕ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ዝምልከት ኣኼባ ብህዝቢ ዓብይ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ተሓቢሩ፣





ህዝቢ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ነቲ ብዕለት 8/3/2005ዓ/ም ብጥላሁን በርሀ ዝቐረበሉ ኣግባብነት ዘይብሉ ኣከፋፍላ ግብሪ ዝምልከት ፈፂሙ ከም ዘይቕበሎ። ናይ’ዚ ምኽንያት ካዓ ኣብ መላእ ሃገርና ተስፋሕፊሑ ዝረአ ዘሎ ክብሪ ዕዳጋን ስእነት ቐረብን ኣብ’ቲ ወረዳ እዉን ብሰፊሑ ኣጋጢሙ ኣብ ዘለሉ። እቲ ነባሪ ህዝቢ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ግብሪ ክንከፍል ፍቓደኛ ኣይኮናን ከም ዝበለ ተፈሊጡ፣
ካብ’ቶም ፍትሓዊነት ዝጎደሎ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ሕድ ሕዶም  53,000 ብር  ግብሪ ክኸፍሉ ዝተኣዘዙ  ወገናት።-
1.ኣታኽልቲ ዝተብሃለ ወናኒ ቤት ምግቢ ወጋሕታ           
2. ጎይታኦም ማርቆስ
3. ወናኒ ሸራተን ቤት ምግቢ እናተብሃለት ኣብ ከተማ ሸራሮ እትርከብ ክኾኑ እንከለው። ወዲ ሴሮ ዝተበሃለ ነጋዳይ እዉን ልዕሊ 100,000 ብር ክኸፍል ከም ዝተወሰነሉ ተፈሊጡ፣
ነዚ ክፃወሩ ዘይከኣሉ ኣብ’ቲ ብኣማሓዳሪ ጥላሁን በርሀ ዝተመረሐ ኣኼባ ዝተረኸቡ ነበርትን ካልኦት ወገናትን። ኣብ ልዕሊ ወያነ ኢህወዴግን ዝኽተሎ ዘሎ ህዝባዉነት ዝጎደሎ ምምሕዳርን ኣወሳስና ግብርን ናይ ከተማ ሸፋቱ ብዝብል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተቓዉሞኦም የስምዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ፣ቅድሚ ሕዚ እዉን ኣብ ከተማ መቐለን ውረታ ነዚ ዝምልከት ገሊፅና ምንባርና ይዝከር፣