Monday, December 10, 2012

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ኣካይዳ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ባህ ሰለ ዘይበሎም ስረሖም እናራሕርሑ ይወፁ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣

-->



ሰርዓት ወያነ ኢህወዴግ ነቲ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ካብ ህዝቢ ዝገጥሞ ዘሎ ተቓውሞን ተነፅሎን። ብሓይሊ ብረት ንምጭፍላቅ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ባህ ስለ ዘይበሎም መሳርሒ እቲ ስርዓት ክኾኑ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም። በብእዋኑ ስርሖም ዝለቁ ኣባላት ፖሊስ ቁፅሮም ኣዚዩ ብምዉሳኹ። ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2005 ዓ/ም ጀሚሮም ናብ ዝነብርዎ ናይ ፖሊስ ስራሕ ክምለሱ ካብ ክልል ናብ ኩለን  ዞቦታት ትግራይ  መምርሒ ከም ዝበተነ ተፈሊጡ፣
ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ብዘሎ ጉዕዙይን ፈላላይን ኣሰራርሓ ወያነ ኢህወዴግ፣ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዝፍፀም ዘሎ ናይ ምእሳርን ምቕታልን ስጉምቲ ተግባራት ብምቃዋም፣ ስርሖም ገዲፎም ዝወፁ ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ ንስርዓት ወያነ ኣስጊእዎ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ፣