Friday, January 11, 2013

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይ-ጨው ህዝቢ ጣብያ ዓቃቢ ሰዓት ብኣስገዳድ 10 ኪሎ ማዳበርያ ክወስድ ይግደድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።





ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ማይ-ጨው ኣማሓዳሪ ጣብያ ዓቃቢ ሰዓት ኪደነ ገብረተንሳይ ዝተብሃለ ካድረ ወያነ ኣብ ሓጋይ ምድሪ ምንም ንዘይጥቀመሉ ንህዝቢ እታ ጣብያ ንኪሎ ብ10 ብር ሒሳብ 12 ኪሎ ማዳበርያ ዉሰዱ እናበለ የገድድ ከም ዘሎ ካብታ ጣብያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ዝተቓወሙ ብርክት ዝበሉ ወገናት መፋራርሒ ቃላት ካልእ ዘረባን በቲ ዕሉል ካድረ ምስ ተዛረቦም ብዘይ ድልየቶም ክወስዱ ይግደዱ እኳ እንተሃለወ፤ ካብኦም ሓደ ተጋዳላይ ህ.ወ.ሓ.ት ነበር ሓጎስ ብርሃነ ዝተባሃለ ዜጋ፤ ማዳበርያኹም ኣይደልን ገንዘብ እንተደሊኹም ዉሰዱ ዝብል ቃል ብምዝራቡ ጥራሕ፣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ታሕታይ ማይ-ጨው ወሲዶም ከም ዝኣሰርዎ ነበርቲ ጣብያ ዓቃቢ ሰዓት ኣረዲኦም።