Friday, January 11, 2013

ኣበበ ገላዉ ንምቕታል ዝተዋደደ ዉዲት ኤፍ.ቢ.ኣይ (FBI) ከም ዘኽሸፎን፤ ነቲ ዉዲት ንምፍፃም ዝተዋፈሩ ኣባላት ስለያ ህወሓት ተታሒዞም ምፅራይ ይካየደሎም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።




ኣብዚ ሰሙን ሓደ ናይ ኣሜርካ ፌዴራል ምፅራይ ገበን (FBI) ኣበበ ገላዉ ኣብ ዝሓለፈ ንስራሕ ጉዳይ ናብ ከተማ ቦስተን ኣብ ዝተጓዓዘሉ ወቕቲ ተግባር ቅትለት ገበን ንምፍፃም ቀንድን ኣተሓባበርትን ኮይኖም ካብ ዝተዋፈሩ፤ ልኡኽ መንግስቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ምዃኑ ዝተጠርጠረ ዉልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምዉዓል ዝጠበቐ ምፅራይ የካይደሉ ከም ዘሎ ካብ’ቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   ኣብ ሃገረ ኣሜርካ ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቱ ዝነብር ንባዕሉ ኣባል ህወሓትን ስለያን ከም ዝኾነ ዝእመነሉ ጉዕሽ ኣበራ እናተባህለ ዝፅዋዕ ዉልቀ ሰብ፣ ጋዜጠኛ ኣበበ ገላዉ ንምቕታል ኣብ ዝተዋደደ ዉዲት ዝሳተፉ ሰለስተ ገበነኛታት ዝኾኑ ዉልቀ ሰባት መልሚሉ ዝተዋፈረሉ እከይ ግብሪ ንምፍፃም ኣፃፊፉ ከም ዝወደአ፣ ኣፃረይቲ FBI ኣቐዲሞም ስልዝበፅሕዎ ነቲ ፍፃም ከም ዘኽሸፍዎ ተረጋጊፁ።
  እቲ ገበን ንምፍፃም ዝተዋፈረ ዉልቀ ሰብ ምስ ካልኦት ተሓባበርቱ ኣርባዕተ ሰባት ሓቢሩ ከም ዝነብር፣ ቅድሚ ገበን ምፍፃሙ ድማ ተለዋዋጢ ምልክታት የርኢ ከም ዘሎ ዝበፅሖ FBI፣ ጋዜጠኛ ኣበበ ገላዉ ቦስተን ዝኸደሉ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ብጦር መሳርያ ተኲሶም ንምቕታል መደብ ኣዉፅኦም ንምፍፃም ምንቅስቓስ ይገብሩ ከም ዘለዉ ብግልፂ ይረአ ከም ዝነበረ ካብ’ቲ ትካል ዝተረኸበ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ዝተዘርገሐ ዜና ኣፍሊጡ።
  
ዋሃቢ ቃል FBI ጨንፈር ቦስተን ዝኾኑ ግርግ ኮምኮች ንከይዲ እቲ ምፅራይ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ዋላ እኳ እንተተቖጠቡ፣ FBI ከም’ዚ ዓይነት ገበነኛ ሸለል ተባሂሉ ከም ዘይሕለፍ ድሕሪ ምግላፆም፣ መንግስታት ሰለልቲ ይኹኑ ተወከልቲ ሰብኣዊ መሰል ካልኦት ኣብ ዝጥሕስ ሕጊ ኣልባ ተግባር ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያዉያን እንተሃልዮም ሸለል ተባሂሎም ከም ዘይሕለፉን፤ ኣብ ካልኦት ከባቢ እታ ሃገር ንከም’ዚ ዓይነት ተግባር ዝተዋፈሩ ሰባት ንምሓዝ ካብ ዝኾነ ኣካል ሓበሬታ ንምቕባል ድልዋት ምዃኖም ኣገንዚቦም።
  ኣበበ ገላዉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣኼባ መራሕቲ ጂ-8 ተረኺቡ ንኣምባገነን መለስ ዜናዊ ዕርቃኑ ዘዉፅእ መፍክር ምስምዑ። ንመራሕቲ ጉጅለ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ድቃስ ካብ ዝኸልኦም ኣጋጣሚታት ሓደ ምዃኑ ይእመን።