Friday, January 11, 2013

ኣብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ንዓመታት ክነብርሉ ዝፀንሑ ኣባይቲ ዘይሕጋዊ ተባህሉ ንምፍራስ ኣብ ዝተፈተነሉ እዋን ህወከት ከም ዝተለዓለ ተፈሊጡ።




ኣብ ክልል ትግራይ፤ ዞባ ደቡብ፤ ወረዳ ራያ ኣላማጣ፤ ቁሸት ጋርቤ ሰበ ስልጣን እቲ ከባብን ፖሊስን ዘይሕጋዊ እዮም ዝበልዎም ገዛዉቲ ንምፍራስ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ህዝባዊ ህዉከት ከም ዘኸተለ ሽሞም ክዕቀበሎም ዝደልዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣረዲኦም።
   እቶም ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደልዩ ነበርቲ ቁሸት ጋርቤ፤ እቲ ከይዲ ምፍራስ ገዛ ነባሪ ህዝቢ ናብ ስራሕ ሓመድን ማይን ዕቀባ ክዋፈር ብምግባር ብድሕሪኡ ዘፍርሱ ሰራሕተኛታት ብምዉፋር ምፍራስ ገዛ ምጅማሮም ስዒቡ ኣዉያት ብምልዓሉ ብዙሕ ሰብ ከም ዝረደአን፤ በዚ ምኽንያት ከዓ ፅርግያ ብምዕፃዉ፣ ካብ ማእኸል ሃገር ናብ ትግራይ ካብ ትግራይ ናብ ማእኸል ሃገር መካይን ንኸይሓልፋ ተዓፅየን ከም ዝወዓላን፣ እቲ ህዉከት ካብ ሰዓት ክልተ ናይ ንጉሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ከም ዝቐፀለ ገሊፆም።
   ፖሊስ ፌዴራል ብ1/ ጥሪ/ 2005 ዓ.ም  ሰዓት 11፣00 ድሕሪ ቀትሪ ናብ’ቲ ከባቢ ብምምፃእ መንብዒ ጋዝን ጠያይትን ብምትኳስ ነቲ ህዝቢ ከም ዝበተንዎን፤ በስንኩ ክልተ ሰባት ብኸቢድ ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝኣተዉን፤ ቁፅሮም ዘይተፈለጡ ንፁሃት ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ዝገለፁ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እቶም ተኣሲሮም ዝተባሃሉ ብትኽክል ከም ዝተኣሰሩ ናብ’ቶም ተኣሲሮም ዝተበሃሉ ሰባት ስልኪ ብምድዋል ቤተሰቦም ከም ዘረጋገፁ ተፈሊጡ።
   ነቲ ህዝባዊ ህዉከት ኣመልኪቱ ኣምሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ንወኪል ቪኦኤ ከም ዝበሎ፣ ንኣገላልፃ ግዳያትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ብምንእኣስ ከም’ቲ ዝበሃል ዘሎ ዝተጋነነ ህዉከት ዘይኮነስ ኣብ ከተማ ዝርከቡ 57 ዘይሕጋዊ ገዛዉትን ኣብ ገጠር ድማ 207 ኣባይቲ ጥራሕ እዮም ፈሪሶም ምስ በለ። ተቓዉሞ ዘስምዑ ዘለዉ ኣብ ከተማ ዝነብሩ ዝተወሰኑ ሰባት ጥራሕ ምዃኖምን ኣብ ልዕሊኦም ዝበፀሐ ጉድኣት ከም ዘየለን፤ ምዕፃዉ መንገዲ ፅርግያ ኣጋጥሙ እኳ እንተነበረ ብምይይጥ ተፈቲሑ እዩ ክብል ምዝራቡ እታ ሬድዮ ኣረዲኣ።