Friday, January 11, 2013

ኣብ ክልል ትግራይ ብስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ሚያዝያ 2005 ዓ/ም ዝካየድ ሙስሉይ መረፃ፣ ህዝቢ ትግራይ ናይ መምረፂ ካርድ ክወስድ ብዘይምኻድ ተቓውመኡ ይገልፅ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።




ትማሊ 2 ጥሪ 2005 ዓ/ም ካድረታት ወያነ ካብ ሰዓት 12 ናይ ንጎሆ ጀሚሮም ህዝቢ ከተማ ሽረ  እንዳስላሰ ናይ መረፃ ካርድ ክወስድ፣ እናዞሩ ጎስጓስ እኳ ክገብሩ እንተወዓሉ ካርድ ዝወስድ ሰብ ከም ዘይረኽቡ ንምፍለጥ ተኻኢሉ።
ወያነ ኢህወዴግ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብምድንጋር ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ዴሞክራሲ ንኽመስል፣ ዘካይዶን ከካይዶ መደብ ሒዙሉ ዘሎ ናይ ዝመፅእ ሚያዝያ 2005 መረፃ ፍትሓውን ዴሞክራሲያውን ክኸውን ከም ዘይኽእል ብኣግኡ ህዝብና ስለዝተረደኦ፣ ትማሊ ሓሙስ ህዝቢ ከተማ ሽረ ነቲ  ናይ መምረፂ ካርድ ክወስድ ከምዘይደልን ነቲ መረፃ ከም ዘይኣምነሉን ብተግባር  ከም ዝገለፀሎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።