Friday, January 11, 2013

ኣብ ማእኸላዊ እዚ ናይ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ቀዳማይ ሬጅመንት ዝኾኑ ወተሃደራት ናብ ቤተሰቦምን ናብ ካልእ ዝመሰሎም መማረፅን ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።







ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ግዕዙይ ምሕደራን ዘይምትእምማንን ኣባላቱ ኣብቲ ስርዓት እምነት ስለዘይብሎም ራሕርሐሞ ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ካብ ኣባላት እቲ ክፍለ ሰራዊት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ናይቲ ክፍለ ሰራዊት ቀዳማይ ሬጅመንት ወተሃደራት ብበዝሒ ናብ ቤተሰቦም ከይዶም ከም ዘይምለሱን ገሊኦም ከዓ ናብ ተቓወምቲ ዉድባት ይኣትዉ ኣለዉ ብዝብል ምስምስ በቢ ክፍሉ ንዘለዉ መራሕቲ እታ ሬጅመንት ናይ መዓርግ ዕቤት ከም ዝተኸልከለ ተፈሊጡ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም ናይ ደረጃ ዕቤቶም ዝተኸልከሉ ኣባላት ቀዳማይ ሬጅመንት ዝኾኑ ወተሃደራት ሓለቓ ሚኢቲ ታፈረ፤ ኣባል ሞርታር ሓለቓ ዓሰርተ ደንበለ፤ ብወዲ ኣማረ ዝፍለጥ ናብ ቤተሰቡ ምስ ከደ ዘይተመለሰን ካልኦትን ብርክት ዝበሉ ከም ዝርከብዎም እንትኾኑ እዚ ፍፃመ ድማ ኣብ መላእ  ስራዊት ምክልኻል   የጋጥም ከም ዘሎን  በዚ ድማ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕማም ርእሲ ኮይንዎም ከም ዘሎ ይግለፅ።