ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ዝርከቡ ኣባላት
ማእኸላይ እዚ ሰራዊት ወያነ ኢህወዴግ ዝኾኑ ወተሃደራት፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ተፈጢሩ ዘሎ ግዑዙይ ምሕደራ ዝወለዶ ኣፈላላይ
ክፃወርው ብዘይ ምኽኣሎም፣ ካብቲ ስራዊት ራሕርሖም ክኸድዑ ይግደዱ ከም ዘለዉ ካብታ ወረዳ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰራዊት ወያነ ኢህወዴግ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ዝርከቡ መገልገልቲ
እቲ ስርዓት ኮይኖም ክቕፅሉ እምነት ዘይብሎም፤ ወተሃደራት ተቓውሞኦም ሕድሕድ ብጥይት ምቅትታልን ኢሉ’ውን ነቲ ሰራዊት
ራሕርሖም ናብ ዝመሰሎም ምጥፋእ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ ምስ በለ። እዚ ከዓ መርኣያ ውድቐት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ምዃኑ ገለ ኣባላት
ሰራዊት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣባላት ማእኸላይ እዚ ሰራዊት ወያነ ክኸድዑ ተታሒዞም
ዝተባሃሉ ልዕሊ 2000 ወተሃደራት ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳሰላሰ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ኣብ ዜናና ምሕባርና ይዝከር።