ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ተሃኒፁ ዝርከብ ምድረ-ገነት ዝተሰየመ ሆስፒታል
በቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሕፅረት መድሓኒትን መሳርሕን ሓሚሙ ክሕከም ዝኸደ ህዝቢ ከተማ ሽረን ከባቢኡን ግቡእ ኣገልግሎት ክረክብ ብዘይምኻእሉ
ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ይቃላዓ ስለ ዘሎ፤ ነዚ ፍታሕ ክግበረሉ 50 ሰባት ወኪሉ ምስ ዝምልከቶም ናይቲ ዞባ ሓለፍቲ ክዘራርቡ
ዝለኣኾም፣ ዝምልከቶም ኣካላት ዝግባእ መልሲ ኣብ ክንዲ ምሃብ ነቲ ጉዳይ ቆላሕታ ከይሃቡ ተመሊሶም ምስ ሓደ ኣባል እቲ ዞባ ገይሮም ናብ ሆስፒታል ምድረ-ገነት ክኸዱ ከም
ዝገበርዎም ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ህዝቢ ከተማ ሽረ ብሕፅረት ማይ ዝሳቐዮ ዘሎ
ከይኣክል ሓሚሙ’ውን ክፍወሰሉ ዝኽእል ትካል ጥዕና /ሆስፒታል/ ክረክብ ብዘምኻኣሉ፤ ናብ ዝምልከቶም ናይ ዞባ ሰበስልጣን
ብወከልቱ ዘቕረቦ እዋናዊ ናይ ህይወት ሕቶ ግቡእ መልሲ ድሕሪ ምስኣኑ፣ ነቶም 50 ተወከልቲ ሒዙ ዝኸደ
ወኪል እቲ ዞባ ናብ ምምሕዳር ምድረ ገነት ሆስፒታል ምስ ኣቶ መሓመድ ምስ ኣራኸቦም ሕቶኦም ኣብ ዘቕረብሉ ፤ ምምሕዳር እቲ
ሆስፒታል እውን ብወገኑ ብህዝቢ ሽረን ከባብኡን ዝቐረብ ዘሎ ሕፅረት ሕክምና ዝመበገሲኡ ሕቶ ቅኑዕ እዩ ክብል ሪኢትኡ ከም ዝሃበ
ተፈሊጡ።