Friday, January 11, 2013

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ወረዳ ማንኩሽ ዝስራሕ ዘሎ ግድብ ኣባይ ኣብ ሓለዋ ዝርከቡ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ፣ ብ30 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ዘካየድዎ ኣኼባ ብዘይ ስምምዕ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ።




ኣብ ግድብ ኣባይ ንሓለዋ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ሓልፍቶምን፤ ብ30 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ካብ ወጋሕታ ሰዓት 10፣00 ክሳብ ምሸት ሰዓት 2፣00 ብሓላፊ ደቪዥን ኮማንደር ኣበበ ይምራሕ ከም ዝነበረ ካብቲ ቦታ ዝተረከበ ሓበሬታ  ኣመልኪቱ።
ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ዘጋጥሞ ዘሎ ተነፅሎ ካብ ህዝቢ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብቶም ከም መጋበሪያ ዝጥቀመሎም ሓይልታት ፀጥትኡ‘ዉን ከይተረፈ ተነፅሎ የጋጥሞ ስለ ዘሎ፤ ኣብቲ ኣኼባ ከም ኣጀንዳ ዘቅረቦም ነጥብታት ኣባላትና ንምንታይ እዚ ስራሕ እናርሓርሑ ይኸዱ ኣለዉን ኣብዚ እንገብሮም ኩሎም ስራሕትናን ሚስጥራትን መን የዉፀኦ ኣሎ? ዝብሉ ዝርኸቡዎም እንትኾን ብወገን እቶም ተራ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ሪኢቶ ይኹን ሓሳብ ከም ዘይሃቡ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ተኣከብቲ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ኣብቲ ዝቐረበ ኣጀንዳ እንተይኾነስ ኣብ ማሕበራዊ መነባብሮኦም ዘሎ ፀገም ፍቓድ ዘይወሃቦም ምኻኑ፤ ብተደጋጋሚ ዝሓትዎም ሕቶታት ግቡእ መልሲ ኣብ እዋን ንምንታይ ከም ዘይወሃቡ ኣብቲ ኣኼባ ምልዓሎም፤ ንኮማንደር ኣበበ ጭንቀት ከም ዝፈጠረሉን መልሲ ከም ዘይሃበሉን ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝነበሩ ዜጋታት ዝወፀ ሓበሬታ የረድእ።