Friday, January 11, 2013

ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ሶሎዳ ዝርከብ ኣግራብ ብዘይኣገባብ ይበርስ ከም ዘሎ ካብ’ቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።





ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ሰሎዳ፤ ቁሸት ገርዓ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ  ንነዊሕ ዓመታት ተሓዚኡን ተሓልዮን ዝፀንሐ ኣግራብ፤ ሎሚ ኣብ ዘበነ ወያነ ጠመተ ዝገብረሉ ኣካል ስለ ዝሰኣነ ይበርስን እቲ ልሙዕ ሓመድ ድማ ብንፋስን ውሕጅን  እናተባሕጎገ ናብ ምድረ በዳ ይቕየር ከም ዘሎ ተገሊፁ።
   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ በቶም ዝሓለፉ ስርዓታት እንከይተረፈ ግቡእ ሓለዋን ዳግመ ግረባን እናተገበረሉ ዝፀንሐ እንትኾን፤ ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ግን ብመራሕቲ፤ ካደረታትን ኣባላትን እቲ ስርዓት ንዕንጨይትን ካልእን እናተብሃለ ኣግባብ ዘይብሉ ምቑራፅ ኣግራብ  ይካየደሉ ብምህላው ህዝቢ እቲ ከባቢ ነቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ከባቢ ብመንግስቲ ትኹረት ተዋሂብዎ ሓለዋ ንምክያድ ምትሕብባር ክገብረሎም ንወረዳ ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ ሰማዒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ተሓቢሩ።
  መራሕቲ ወያነ ኣብ ዝተፈላልዩ ኣጋጣሚታት ጎቦታት ትግራይ ብኣግራብ ሸፊናዮም እናበሉ ዝዝረብዎ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ተግባር መፂእኻ ግን ብኣንፃሩ ምዃኑ ሰብ ሞያ እቲ ዓዉዲ ምስ ሕሉፍ ግዜ ብምንፅፃር ብተደጋጋሚ ይዛረቡ።