እቲ
ዓርሰ ቅትለት ዝፈፀመ ወታሃደር ናብ ዉትህድርና ክምልመል እንተሎ፤ “ሞያ ኮምፒተዩር ክትመሃር ኢኻ። ተማሂርካ ድማ ኣብ ስራሕቲ ኮምፒዩተር ክትምደብ ኢኻ።”
ተባሂሉ ዉትህድርና ዝኣተወ እንትኾን፤ እቲ ዝተብሃሎን ኣብ ባይታ ዝፀንሖን በበይኑ ኮይንዎ ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ይኣኽለኒ
ብምባል ንክፋነዉ ንዘቕረቦ ሕጋዊ ሕቶ፤ ኣወንታዊ መልሲ ብምስኣኑ ብ29 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ለይቲ ኣብ ጎቦ ባድመ ንሓደ
ሓለቓ ሚኢቲ ብምቕታል፤ ዓርሰ ቅትለት ከም ዝፈፀመ እሙናት ምንጭታትና ካብ’ታ ረጅሜንት ካብ ዝላኣኹልና ሓበሬታ ንምፍላጥ
ተኻእሉ።
እዚ
ከምዚ ዓይነት ፍፃመ ብዝባኣሰ መልክዑ ኣብ መላእ ምክልኻል ሰራዊት ይረአ ከም ዘሎን። እዚ ድማ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት
ወያነ ኢህወዴግ ዓብዪ ጭንቂ ፈጢርሎም ከም ዘሎ እቲ ካብ ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ዝለሓዀ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ከም
ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ባዕሎም ነብሶም ከጥፋኡ ኢሎም ብጥይት
ቆሲሎም ኣብ ወታሃደራዊ ሆስፒታል ዓዲ-ኮኾብ ይሕከሙ ከምዘለዉ ገልፅና ምንባርና ይዝከር።