ኣመንቲ እስልምና ሃይማኖት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዉልያ ዝጀመርዎ መሰል ሃማኖትና ይከበር
ዝብል ሕቶ ናብ መላእ ሃገርና ተስፋሕፊሑ ነቲ ስርዓት ናብ ጭንቅን ስንባደን ስለ ዝእተዎ፣ ንፁሃት ወገናትና ኣሸብርቲ ዝብል ሽም
ብምጥማቕ ዘይፈለጥዎን ዘይራኣይዎን ብኮፒዩተር ተደጊፉ ዝትኮስ ዘመናዊ ኣፅዋር ሒዞም ረኺብናዮም ብምባል ጨዉዩ የሕቕቖም ከም ዘሎ
ተሓቢሩ።
ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ምስ ኣኽረርትን ኣሸበርትን ርክብ ኣለኩም ብዝብል ፀለመ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ጥራሕ 110 ንፁሃት ዜጋታት ብኣባላት ፌዴራል ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ተጨዉዮም ናበይ ከም ዝወሰድዎም ክሳብ ሐዚ ከም ዘይፍለጥ
ካብ’ታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ የገንዝብ።
ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘይፋሓሮ ግብረ እከይ ተግባራት ከም ዘይብሉን፣ ንኸምስል
ናይ መኽረርትን ኣሸበርትን መዕለሚ ከምሴ ተመሪፃ
ከም ዝነበረት ኣምሲሉ ብ23 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ኣብ’ቲ ሙስሉይ ፓርላማ ብዘልዓሎ መሰረት ልዕሊ 290 ንፁሃት ወገናት ማሕበረብ
እስልምና ብሓይልታት ፀጥትኡ ኣቢሉ ጨውዩ ካብ ከባብኦም ሰዊርዎም ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።