ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ መንቀሊ እቲ ግጭት ኣብ መደቀሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ተሰቒሉ ዝነበረ ናይ ቅድስቲ ማርያም ምስሊ
ካብ ዝነበሮ ተላዒሉ ተቐዲዱ ኣብ ሽንቲ ቤት ድሕሪ ምርካቡ፣ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ፕሮስቴስታንትን እስልምናን ብዝተጀመረ ናይ እምኒ ዳርባ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ
ፌዴራል ፖሊስ ነቲ ግጭት ንምህዳእ ብዝብል ናብ ቀፅሪ ዩንቨርሲቲ ጂማ ብምእታዉ፤ ልዕሊ 400 ተማሃሮ ኣብ ከተማ ጂማ ብተለምዶ
ፈረንጅ ኣራዳ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ብፌዴራል ዝመሓደር ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ብ4 ጥሪ 2005 ዓ.ም ዝተጀመረ ኣብ ሞንጎ ተማሃሮ ብዝተወለዐ ግጭት፣ ብዙሓት ተማሃሮ ከቢድ መጉዳእቲ
ከም ዝበፅሖም ክግለፅ እንከሎ፤ ኣብቲ ቀፅሪ ዩንቨርሲቲ ድማ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ሓለዋ የካይዱ ከም ዘለዉ ካብ
ከተማ ጅማ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።