ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ህዝቢ ነቲ ናይ መረፃ
ካርዲ ክዉሰድ ከም ዘለዎ ኣይወስድን ዝበለ ከዓ ዘይቲ ብልዕን ካልኦት ንዕለታዊ መነባብሮ ዘገልግሉ ብመንግስቲ ዝካፋፈል ቀረባት
ንከይዋሃብ ተወሲኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ በቲ ናይ መረፃ ካርድ ኣይንወስድን ዝመግለፂኡ ኣብያት ከልእ ህዝባዊ ናዕቢ ከልዕል እዩ ካብ ዝብል
ስግኣት ላዕለዎት መራሕቲ ወያነ-ኢህወዴግ ናብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ 100 ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ከም ዝተወሰኹ ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዜናታትና ወያነ-ኢህወዴግ ዝመፅእ ወርሒ ሚያዝያ
2005 ዓ.ም ዝካየድ መረፃ ፍትሓዉን ዴሞክራስያዉን ክኸዉን ከም ዘይኽእልን ካብ ዝሓልፈ ናይ መረፃ እዋናት ዝተፈለየ ከም ዘይኸዉን፣
ብኣግኡ ህዝቢ ስለ ዝተረድአ ነቲ መረፃ ከም ዘይኣምነሉን ብተግባር ንልኡዃት እቲ ስርዓት ይበርሃሎም ከም ዘሎ ምግላፅና ይዝከር።
ካብ ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከይወፃእና
ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ንዓመታት ዝኣክል ፍታሕ ዘይረኸበ ሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ብዝበኣሰ ህዝቢ
እታ ከተማ ተሸጊሩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ህዝቢ ከተማ ሽረ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ፍታሕ
ዘይረኸበ ግን ከዓ ብዙሕ ገንዘብ ካብ ህዝቢ ተዋፂእዎን፣ መንግስቲ‘ዉን ብግድኡ ንመኹዓቲ ናይ ማይ ጉድጓድ ዝተመደበ ገንዘብ ብካድረታት፤
ኣመሓደርትን ሰብ ሞያን ሰለ ዝተጥፋፍአ፣ ፀገም ዝሰተ ፅሩይ ማይ
ክፍታሕ ብዘይ ምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለው ተፈሊጡ።