Wednesday, February 13, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ለካቲት 2005 ዓ/ም ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከባ ማሕበር መናእሰይ ንዝተመልመሉ ኣስታት 40 መናእሰይ። ብቤት ፅሕፈት ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ዝተኻየደ ኣኼባ ነቶም መናእሰይ ከም ዘጨነቆም ተሓቢሩ፣



እቶም መናእሰይ ነቲ ብጉዳይ መናእሰይ ስፖርትን ሽረ እንዳስላሴ ከም ኣጀንዳ ዝቀረበ ሓሳብ። ከምቲ ዝዝረብ ዘሎ ኣብ መንጎ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ማሌሊት ምግምማዕ ኣሎ ኣብ  ዝብል ካብ ሕብረተሰብ ዘረባ እናኣረዩ ብመልክዕ ሓበሬታ ከቕርቡ ንዝተዉሃቦም መምርሒ ካብ ልቢ ከም ዘይተቀብሉዎን ንኽነብሩን ካብ ስራሕ መንግስቲ ከይባረሩ ክብሉ ጥራሕ ኣብቲ ኣኼባ ሕራይ ከም ዝበሉ ካብቶም ወገናት ዝተረኸበ ሓበሬታ የምልክት፣
 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዘይቲ ብልዒ ኣብታ ከተማ ብምጥፍኡ ህዝቢ ናብ ኣማሓደር’ታ ወረዳ ከይዱ እንተጠርዐ ግቡእ መልሲ ከም ዘይረኸበ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣስዒቡ እቲ ንህዝቢ ተባሂሉ ናብታ ከተማ  ዝኣተወ ዘይቲ፤ ሓለፍቲ ናይቲ ከባቢ  ይሸጥዎ ከምዘለዉን። ህዝቢ ንዝላዓለ ፀገም ተቓሊዑ ከምዘሎ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣