ብመሰረት
ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ህዝቢ ከተማ ኣላማጣ ሓደ ሓሳብን ሓደ ልብን ኮይኑ ብምርድድኡ ነቶም ልኡዃት ስርዓት ወያነ ዝኾኑ
ፌደራል ፖሊስ እስኪ ወስ በሉ ኢሉ ንመረበቱን ንኽብሩን ደው ብምባሉ ነቲ ዘይኣመነሉ ገዛ ናይ ምፍራስ ገዛዉቲ ከም ዝዓገቶ
ተፈሊጡ፣
እዚ ከምዚ
ኢሉ እንከሎ ህዝቢ ብምዕፋንን ብምእሳርን ታሕጓስ ዝስመዖ ስርዓት ንላዕሊ 70 ዝኾኑ ተጋደልቲ ህወሓት ነበርን ካብ ሰራዊት
ምክልኻል ንዝተፋነዉ ወገናት ኣብ ክንዲ ምስ ዉድብኹምን መንግስትን ትዉግንኑ ምስ ህዝቢ ኮይንኩም ብምባል ንዕኡ ብዝጥዕም ናብ
ፖለቲካ ብምቕያር ብከቢድ እናመርመሮም ምኻኑ ካብ ከተማ ኣላማጣ ዝበፅሐ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ
ዴሴ፤ ከምሴን ገርባን ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ኣመነቲ እስልምና ወገናት ናብ ቃልቲ ኣናተወሰዱ ኣብ ዘይፈልጥዎ ጉዳይ ብበትርን
ብኤለትሪክን እናተሳቐዩ ዝበልናኩም እመኑ እናተበሃሉ ንኸቢድ ሓደጋ ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣