Wednesday, February 13, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከብ “የኣማራ ብድርና ቁጠባ ተቋም” ዝበሃል ዘለቀሖም ገንዘብ ንዘይመለሱ ዜጋታት ካብ 3 ለካቲት 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ንብረቶም እናሸጠ ገንዘብ ይእክብ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣



 እዚ ብሽም ህዝቢ ኣምሓራ ዝሽቀጥ ዘሎ መዝማዚ ትካል ሓላዪ ክመስል ልቓሕ ውሰዱ ብምባል ዘለቆሖም ዜጋታት። በቲ ጉዕዙይ ምሕደርኡ ሰፍ ዘይብል ግብሪ ክኸፍሉ ዋጋ ማደበርያ ሰማይ ብምስቃልን። ቀረፅ ተወሲኽዎ ናብ ዝበኣሰ ድኽነት ብምሽማሙ ነቲ ዝተለቀሖ ገንዘብ ክመልስ የግድድዎ ብምህላዎም  ህዝቢ ኣብ ዝበኣሰ ፀገም ተቓሊዑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከባቢ መሰልጠኒ  ብር-ሸለቆ ዝርከቡ ናይ ተፈጥሮ ዓበይቲ ኣግራባት  ኣውልዒን ፅሕድን ንምብራስ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ምድላው እንከለዉ ህዝቢ ብምስምዑ ተቓውሞ ከም ዝተወለዐ ተፈሊጡ፣

  እዚ  ተግባር ሓለፍቲ  እቲ ከባቢ  ንውልቀ ረብሐኦም ክብሉ ህዝቢ እናተኸናኸነን እናሓለወን ዘፀነሖም ኣግራባት ከብርሱ  ኣብ ዝፈተንሉ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብሓደ ድምፂ ተቓወምኡ ከም ዘስመዐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።


 ካብቲ ዞባ ከይወፃእና ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ፎኖተ ሰላም ዝርከቡ ብርክት ዝብሉ ወገናት መብዛሕተኦም ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ጥራሕ ብናይ ሓሶት ክስን ምስክራትን ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብሰንሰለት ኣብ ፀላማት ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣