Friday, February 22, 2013

ሰርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብዘጋጥሞ ዘሎ ዝላዓለ ተቓውሞ። ኔትዎርክ ሞባይላት ክቋረፅ ይገብር ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣



ማሕበረሰብ እስልምና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መደበኛ ጁምዓ ፕሮግራሙ ባዕሉ ንባዕሉ ብምፅውዋዕን ሓፀርቲ ናይ ስልኪ መልእኽትታት ብምልውዋጥ ዝላዓለ ተቓውሞ ክግበር ይኽእል ብዝብል ግምት። ካብ ሓሙስ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ ረፋድ ሰዓት ኣርባዕተ ዘሎ ግዜ ሞባይላት መስመር ካብ ርክብ ወፃኢ ብምግባር ኔትወርክ ክቋረፅ ዝተገብረ ኮይኑ። ምስ’ዚ ተታሓሒዙ አገልግሎት ስልኪ ድሕሪ ምቁራፁ ሓፂር መልእኽቲ ልውውጥ ከምኡ’ውን አገልግሎት ኢንተርኔት ክቋረፅ ስለ ዝተገብረ። በዚ ምኽንያት ከዓ ብርክት ዝበሉ ናይ ንግዲ ትካላትን ሰብ ስራሕ ዉልቀ ሰባትን ዕለታዊ ስራሕቶም ተዓናቒፉ ንኽሳራ ከም ዝተቓልዑ ተፈሊጡ፣
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ኣሰራርሓ እንትፍፀም ናይ መጀመርያ ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምግላፅ። ቅድሚ ሕዚ’ውን በዞም ኣምባገነናት መራሕቲ ስርዓት ወያነ ካብ ከተማ ክወፁን ክኣትውን እንከለው  መንገድታት ካብ ምዕፃው ዝሓለፈ ሸብርተኝነት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብዝብል ናይ ሞይባል ርክባት ንሳዓታት ክቋረፁ ተገይሩ ከም ዝነበረ ኣረዲኡ፣
 መንግስቲ  ብሞኖፖል ብሒትዎ ዝርከብ ቴሌኮም። መንግስቲ ኣብ ደስ ዝበሎ ጊዜ ነዞም ስልክታት ናይ ምቁራፅ፤ ናይ ምጥላፍን ዝመሳሰሉን -ሕገ መንግስታውን -ሰብኣውን ፍፃመታት ንምፍፃም ንኽሕግዞ ዝተሓሰበ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ። ቴሌኮም ብዉልቀ ትካል ተታሒዙ እንተዝኸውን ኔሩ መንግስቲ ከም’ዚ ዓይነት ዕድል ኣይምረኸበን። ሃንደበት ኣገልግሎት እንተቋረፀ’ውን ነቲ ክሳራ ክኸፍል ስለ ዝግደድ ዜጋታት መሰሎም ክኽበር ምኻኣለ ኔሩ ክብል እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣
   ቤት ፅሕፈት ድሕንነት ኢትዮጵያጀሃዳዊ ሓራካትብዝብል ርእሲ ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕጊ ዝርከቡ እስረኛታት ተኸተልቲ እስልማና ሕጋዉነት ዘይብሉ ፊልሚ ኣብ ዝሓለፈ 28 ጥሪ ምሽት ብኢቴቪ ድሕሪ ምዝርግሑ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሃገርና ዝተቐፃፀለ ተቓውሞ ንምዕፋን። ዜጋታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኮንትራት ኣትዮም እናረኸብዎ ዘለዉ ኣገልግሎት ሰልኪ ካብ ፍቓዶም ወፃኢ ዝግበር ዘሎ ገደብ ዘይብሉ ምቁራፅን ምትእጉጓልን ስግኣት እቲ ስርዓት ዘረጋግፅ ኮይኑ። እስላም ኢትዮጵያዊያን ብብዝሒ መልእኽትታት ዝለዋወጡ ብሞባይል ስልክታት ብምዃኑ መንግስቲ ኩሉ ግዜ ዓርቢ ኔትወርክ ብምጥፋእ  ስራሓቱ ክቕፅል ይኽእል ዝብል ግምት ምህላው ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣