ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝነብር ህዝብና፣
ኣብታ ከተማ ንዘሎ ፀገም ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ንምምላእ ኩሉ በብዓቑሙ ብምዉፋዩ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ዝተዋፀአ እኳ
እንተኾነ፤ ብጀካ እቲ ንከተማ ኣቋርፁ ዝሓለፍ ዓብዪ ፅርግያ እቶም ዝተረፉ ኣብ ዉሽጢ ከተማ ዝርከቡ ፅርግያታት ብምልኦም ዘይተዓረዩ ብምዃኖም፤ ህዝቢ ዝተዋፀአ ገንዘብ ኣበይ
ዉዒሉ ብምባል ብተደጋጋሚ ክሓትት ዝፀንሐ ኮይኑ፣ ብፍላይ ከዓ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ህዝቢ ፀቕጡ ዘልዕሎ ሕቶ
ምዃኑ ተገሊፁ።
ብኣመሓዳሪ
ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣይተ ሚኪኤለ ኣብርሃን ብኣመሓዳሪ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣይተ ፍስሃ ዉበትን ዝተመርሐ ኣኼባ ንነባሪ ህዝቢ
ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብዚ ዉሽጢ ሰሙን ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ካብ ተኣከብቲ ዉሽጢ ንፅርግያ መስርሒ ተባሂሉ ዝተመደበ ገንዘብ
ናበይ ኣትዩ ኣብዛ ከተማ ዝተፀገነ ፅርግያ የለን ክብሉ ንዘልዓልዎ ሕቶ፤ ንመጎብነይ ኣዉዕልናዮ እምበር ዝጠፈአ ገንዘብ የለን
ክብሉ ብዝሃብዎ መልሲ ዝተቖጠዐ ህዝቢ እዚ ትብልዎ ዘለኹም መደናገሪ ሓሳብ ኣይንቕበሎን ባዕልኹም ኢኹም በሊዕኹምዎ ብምባል ነቲ
ብኣመሓደቲ ዞባን ወረዳ ዝቐረበ ዘይ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዝነፀጎ
እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ የምልክት።