Friday, April 18, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ማይ ካድራ ብላዕለዎት ኣማሓደርቲ ናይቲ ክልል ዝተገበረሎም ኣኼባ ብምቅዋም ረጊፆሞ ከምዝወፁ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።



እቲ ብ26 መጋቢት 2006 ዓ/ም ካብ ላዕለዋይ ኣማሓዳርቲ ክልል ትግራይ ሓደ ዝኾነ ኪሮስ ቢተው ንነባሪ ህዝቢ ማይ ካድራ  ኣኼባ ምፅውዖም  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ   እንተኾነ እቲ  ሽዑ ዝቐረበ ኣጀንዳ  ንመቐሎ መሬትን ብዝዕባ ናይ መፃኢ 2007 ዓ/ም መረፃ ዝምልከትን  ምዃኑ ምስ ተገለፀሎም  እቶም ነበርቲ ብወገኖም መንግስቲ  እዚ ንውልቀ ሰበስልጣን እንተዘይኮይኑ  ናይ ህዝቢ ረብሓን መሰልን ዝሕሉ ኣይኮነን ብምባል ነቲ  ኣኼባ ረጊፆሞ ከም ዝወፁን እቲ ኣኼባ ከም ዝተበተነን ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ ካብቶም ኣብቲ ዝተጀመረ ኣኼባ ናይ ተቓውሞ ሓሳብ ካብ ዘቕረቡ ድማ ሃለቃ ተኽለብርሃን ገብረስላሰ፦ ሃለቃ ገብሪሃንስ፤ ወ/ሮ ማሚት ኣሸናፊ፤ ኣይተ ኣንጋው ብርሃነ፤ ኣይተ ከፍያለ ኣድማሱን፤  ካልኦትን ዝርከብዎም ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።