Thursday, July 24, 2014

ኣብዚ ቅንያት ዝተገብረ ዘይረብሕ ወሰኽ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ነቲ ኣብ ከተማ ሰቲት-ሑመራ ዝፀንሐ ስእነት ጠለብ ማሕበራዊ መነባብሮ ኣጋዲድዎ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣፣



ኣብ ክልል ትግራይ፤ ዞባ ምዕራብ ከተማ ሰቲት-ሑመራ ዝነብር መላእ ህዝቢ ብክብሪ ጠለብ ሃለኽቲ ነገራት ክፅገም ኣብ ልዕሊ ምፅንሑ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ምስቲ ብዙሕ ለዉጢ ዘይብሉ ወሰኽ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ተኣሳሲሩ ዋጋ ምንሃር ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሽኮር፤ ዘይትን ስርናይ /ፊኖ/ን ዝበሉ ጠለባት ካብ ዕዳጋ ጠቕሊሎም ጠፊኦም ከም ዘለዉ ንነበርቲ እታ ከተማ መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣
ኣብ’ታ ከተማ ዝርከቡ መከፋፈልቲ ተባሂሎም ብኣመሓደርቲ እቲ ስርዓት ዝተቐመጡ ነጋዶ ነተን ዝርካበን ብምምሕዳር ዝተዋህበኦም ሽኮርን ዘይትን ንተጠቃማይ ብኣግባቡ ኣብ ክንዲ ዘከፋፍልዎ ወዲእና ኢሎም ኣብ መኻዚንኦም ሓቢኦም ብምፅናሕ ብዘይሕጋዊ መንግዲ ንሓደ ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ክሳብ 60 ብር ይሽየጥ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ንሰራሕተኛ መንግስቲ እኹል ወሰኽ መሃያ ኣካይደ ኣለኹ እናበለ ብሚድያታቱ ብዝነዝሖ ወረ ኣብ መላእ ከተማታት ሃገርና ኢትዮጵያ ከይወዓለ ከይሓደረ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ሰማይ ብምስቃሉን ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገርና ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ’ውን ነበርቲ ባኒ ሲኖም ኣብ ሽግር ከምዘለው ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዓብዪ ቅልዉላዉ ወዲቑ መረረቱ ኣብ ምግላፅ ከም ዘሎ የመልክት፣፣