Sunday, March 10, 2013

ሰበ-ስልጣን ፌዴራል ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ 23 ክሳብ 28 ለካቲት 2005 ዓ/ም ዘካየድዎ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ፣



ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ ምርጫ ካርዲ ዘይወስዱ ክወስዱ ንኣባይ ግድብ ገንዘብ ዘይከፈሉ ሰባት ክኸፍሉን ዘገድድ መምርሒ ሒዞም እኳ እንተቐረቡ ተኣከብቲ ከም ዘይተቐበልዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

 ብተወሳኺ እዞም ተኣከብቲ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ብፀገም መነባብሮ ኣብ እንሳቐየሉ ዘለና። ቀዳማይን ካልኣይን ዙር እናበልኩም ብሓይሊ ገንዘብ ከተኽፍሉና ተገዱድና ዘለኹም ፍተሓዊ ኣይኮነን ክብሉ ምዝራቦም ተፈሊጡ፣
 እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ ብ29 ለካቲት 2005 ዓ/ም ኣብታ ከተማ ከቢድ ብረት ዝፀዓና 4 ፓትሮል መኻይን ሙሉእ ለይቲ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ክንቀሳቐሳ እኳ እንተሓደራ። ብወገን ህዝቢ  ድማ ግፍዒ ንምፍፃምን ህዝቢ ንምፍርራሕን ምዃኑ ተረድእዎ ብዙሕ ቆላሕታ እኳ እንተዘይሃበን። እቶም በተን ፓትሮል ክዘሩ ዝሓደሩ ምንም በደል ንዘይፈፀሙ 2 ንፁሃት መናእሰይ ሰዓት 2 ምሸት ፀጉሪ ለወጥ ብምባል ብበትሪ እናቐጥቀጡ ናብ ቤት ማእሰርቲ እታ ከተማ ከም ዝወሰድዎም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣