ኣብ ውሽጢ ማእኸላይ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ዩኒቨርሲትታት ተታሒዞም ዝታኣሰሩ
ተኸተልቲ እምነት እስልማና ዝኾኑ ተማሃሮ። ቤተሰብ ናይቶም ተማሃሮ ዘለውሉ ቦታ ብዘይምፍላጦም ህላዊኦም ከረጋግፁን ዘድልዮም ቀለብን
ክዳንን ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ከም ዝተፀገሙ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
ብኣማኢት ዝቑፀሩ እስላም ተማሃሮን መምህራንን ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ዘረጋገፀ
እቲ ሓበሬታ። እቶም እሱራት ኣፍልጦ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ተኣሲሮም መብዛሕትኦም ቶርች (ስካሕኻሒ ደብዳብ) ዝፍፀሞም ዘሎ ኮይኑ። ኣብቲ
ኣብያተ ማእሰርቲ ዝረብሕ ምግቢ ሲኢኖም ኣብ ምስቓይ ዝርከቡ ተማሃሮ ክዳውንቶም ኣብ ዝባኖም ብርሳሕትን መግረፍትን ኣሪጉ ብቑርን
ንፋስን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ፣
ተማሃሮ ዩንቨርሲቲ በብግዚኡ እናተታሓዙ እናተኣሰሩ ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣብ ውሽጢ
ማእኸላይ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዝኾኑ ኑርየ ቃሲምን ካሊድ ሙሀመድን፤ ተማሃሮ
ዩንቨርስትታት ጅማ ያሲን ፈይሞ፤ሙሀመድ አሚን ከድርን ጁነዲን ሁሴንን፤ ካብ ሚዛን ተፈሪ ዩንቨርሲቲ አብዱላሓኪም
አህመድ፤ ካብ ወሎ ዩኒቨርሲቲ ጣሂር ሙሀመድ፤ ሙሀመድ አብዱራሂምን ሰኢድ ሙሀዲንን፤ ካብ ጎንደር ዩኒቨርሲቲ ሰኢድ
አብርሀም፤ ኦማር ሙሀመድን ሊናን፤ ካብ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ አብዱላዓዚዝ ሰኢድ ከምኡ’ውን ካብ አዋሳ ዩኒቨርስቲ አብደላ
ሙሀመድ ካብቶም ብዙሓት ገሊኦም እዮም።
ብፍላይ ከዓ ጉዳይ እስልምና አብ ምክትታል ዝነበሩ ሰሎሞን ከበደ፤ ናይ ከሚሴ ዳኢ ጀማል ከበደ፤ ናይ
ሻሸመኔ ዳኢ አብዱረዛቅ ሼህ አህመድ፤ ናይ ከሚሴ ዳኢ ኢክርሀም አብዱ፤ ናይ ሃረርጌ ሁሴን ሮባ፤ ናይ ድሬዳዋ ሙሀመድ ሀሰን፤
ናይ ከምሴ ሁሴን አልን አደም አህመድ አልን ኣብ ማእኸላዊ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝላዓለ ስቓይ ካብ መንጎ ዝበፅሖም ዘሎ
ምዃኖም ተፈሊጡ።
አቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናይ እስልምና ምንቅስቓስ ንምቁፅፃር መንግስቶም
ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣብ’ዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ 9ይ ጉባኤ ኢህወዴግ ምግላፆም ይፍለጥ።