Monday, April 1, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝተሰርሑ ኣባይቲ ኮንደምንየም ብኣግባቡ ብዘይምስረሖም ተፀጊሞም ሕቶ ዘቕረቡ ነበርቲ። ኣሸባርን ፀረ ልምዓትን እናተበሃሉ ይፈራርሑ ከም ዘለው ተፈሊጡ።



እቲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ቀበሌ 05 ፍሉይ ቦታ ድሕሪ ሓናን ሆቴል ኣብ ዘሎ ከባቢ ተሃኒፆም ዝርከቡ ኣባይቲ ኮንደምንየም። ካብ መሰረቱ ብዝምልከቶ ኣካል ክትትል ተጌርሉ ፅሬቱ ሓልዩ ክስራሕ ብዘይምኽኣሉ። መብዛሕትኡ ሽንቲ ቤታት ናይቲ ኮንደምንየም ከም ዝፈንደአን ከምኡ’ዉን ሓደ ሓደ ገዛውቲ ተጨዳዲዱ ይፈራረስ ብምህላዉ። ነበርቲ ኣብ ፀገም ወዲቖም መረረቶም የስምዑ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ኣብቲ ኮንደምንየም ዝነበር ዘሎ ህዝቢ ብመሰረት ዝተኣተወ ሕጋዊ ዉዕል ኣብቶም ኣባይቲ ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ዓመት ፀገም እንተጋጢሙ። እቲ መንግስታዊ ቤት ፅሕፈት ዓባይቲ ወፃኢ ብምግባር የፀግኖን የሰተኻኽሎን ብዝብሎ መሰረት ስርሑልና እንተበሉ፤  ኣማሓዳሪ እቲ ዞባን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣባይትን ብሓባር ኮይኖም። ንሕቶ ህዝቢ ፍትሓዊ ምላሽ ኣብ ክንዲ ምሃብ። ብኣንፃሩ እዚ ሕቶ’ዚ ቅንዕና ዘይብሉ ናይ ፀረ ልምዓትን ፀረ ሰላምን ኢድ ኣእታውነት ዘለዎ ስለ ዝኾነ ብቐሊሉ ኣይንርኦን ብምባል። ነቲ ሕቶ ዘልዓለ ህዝቢ ብምፍርራሕን ብምህዳድን እቲ ጉዳይ ንግዚኡ ኣመሳሲሎም ክሓልፉ ይፍትኑ ከም ዘለው ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
  እዚ ድማ ኮነ ተባሂሉ ብሰላማዊ መንገዲ ትኽክለኛ ሕቶ ንዘቕረበ ህዝቢ ንዕኡ ዘይገልፅ ኣስማት እናጠመቕካ ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕ ባህሪ ኢህወዴጋውያን ምዃኑ ዝተረደአ ህዝቢ ከተማ ሽረ። ሎሚ ይኹን ፅባሕ ሕቶ ካብ ምሕታት ኣይንዓርፍን። ድሒሩ ዝመፅእ ድማ ሓቢርና ንርእዮ ብምባል መረርኡ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ካብ’ታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣