Monday, May 6, 2013

ምምሕዳር ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ንነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ማዕልታዊ ጠለባት ንምዉሳድ ኣብ ልምዓት ጉጅለ ተተጠርኒፉ ናይ ኣባልነት 12 ብር ክኸፍል የገዲድዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ምምሕዳር ወረዳ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ቅድም ክብል ኣብ ልምዓት ጉጅለ ዘይተጠርነፈ ነባሪ ህዝቢ  ከም ሽኮርን ዘይትን ዝኣምሰሉ ተጠቃሚ ኣይኸዉንን ብዝበልዎ መሰረት፤ ሕብረተሰብ ሂወቱ ንመዉዓልን መሕደርን ክብል ተገዲዱ ከይፈተወ ኣብ ልምዓት ጉጅለ ምስ ተጠርነፈ  ድማ እቶም ንውፅዕ ህዝቢ ካብ ምምዝማዝ ድሕር ዘይብሉ ጉጅለ መራሕቲ ወያነ ምስ’ታ ረብሕኡ ኣልግብ ኣቢሎም ዝኾነ ኣባል ጉጅለ፤ ናይ ኣባልነት 12 ቅርሺ ክኸፍል ዘገዲድ ትእዛዝ ምዉራዶም ፤ መዘራረቢ ዛዕባ ነበርቲ ከተማ ሽረ ኮይኑ ከም ዘሎ ካብቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣

ብግዕዙይ ምምሕዳር ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ነባሪ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ዝወርድ ዘሎ ኣድልዎን ምዝመዛን ጠጠው መበሊ ስለ ዝሰኣነሉ ኣብዝሓ ህዝቢ ከተማ ሽረ ኣባል ህወሓት-ኢህወዴግ ኣይንኸዉንን ኢሉ ፈንፊንዎም ንዝርከብ ነባሪ ኩሉ መዓልታዊ ጠለባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ብምግባር ኣብ ምንባርን ዘይምንባርን ምርጫ ኣእትዮም። ፈትዩ ፀሊኡ ኣባል ህወሓት ጌሮም ክቖፃፀርዎ ካብ ዘለዎም ክቱር ድሌት። ኣብ ልምዓት ጉጅለ ጠርኒፎም 12 ቅርሺ ኣባል ህወሓት ኮይነ ኢልካ ፈርም ብምባል ኩሉ መሰላቱ ዓፊኖም የሳቕይዎ ከም ዘለዉ  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝተፈነዉ ተደጋጋሚ ዜናታትና። ነባሪ ህዝቢ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 17 ዓመት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብኡ ዘድሊ ዘበለ ካብ መፈለምትኡ ክሳብ ምዝዛሙ ልዕሊ ዓቕሙ ካብ ንዋቱን ክሳብ እታ መተካእታ ዘይብላ  ሂወቱ ገቢሩ ኣብ ኮረቻ ስልጣን ምስ ኣብፀሐ ብመራሕቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተጠሊሙ መሰለይ ይከብር ስለ ዝበለ በቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ኣስማት እናጠመቐ ኣብ ዝኸፈአ ፖለቲካዊ፤ ኢኮኖሚያውን ማሕብራዉን ቅልዉላው  ወዲቑ ከም ዝርከብ ምግላፅና ይዝከር፣