እቲ
ኣባል ፌዴራል ፖሊስ ስርዓት ወያነ ብ4 ግንቦት 2005 ዓ/ም ሰዓት 3፣00 ምሸት ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ዝኣክል ኣብ መንበር ገዛውትን ጎደናታታን እናዞረ ብሩምታ ጠያይት እናተኮሰ ሓደ
ህፃንን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም 12 ሰባት ቀቲሉ ክልተ ሰባት ድማ ኣቑሲሉ ናብ ሩባ ኣባይ ከም ዝኣተወ ሚድያታት
ገሊፀን፣
ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ወገናት እቲ ንፁሃት ሰባት እናሓለፈ ዝቐተለ ኣባል
ፌዴራል ፖሊስ ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት (ካብ 3፣00-3፣30) ጥይት ብኣድራጋ እናተኮሰ ካዝና እናቐያየረ ኣብ ማእኸል ከተማ ህዝቢ
እናቐተለ ኣባላት ፀጥታ ፖሊስ ብህፁፅ ክረድኡ ብዘይምኽኣሎምን ክንዲኡ ዝኣክል ሰባት ቀቲሉ ንኽሃድም ዕድል ሂቦሞ እዮም ምስ በሉ።
እዚ ድማ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ኣብቲ እዋን ክገብሮ ዝግብኦ ድሕንነት ነባሪ ሕብረትሰብ ዘይምሕላዉን ግቡእ
ሓላፍነቱ ዘይምዉፅኡን። ገበነኛ ብሂወት ተታሒዙ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክሕተትን ቃሉ ክህብን ዘይምግባሩን ሃዲሙ ናብ ሩባ ኣባይ ጥሒሉ ክመዉት ምግባሩን ንባዕሉ
ንነባሪ ህዝብን ንቤተሰብ መወቲ ዘጠራጥር ኮይኑ ብምህላዉ። ብሕልፈት ህይወት ናይዞም 12 ሰባት መንግስቲ ሙሉ ብሙሉእ ተሓታቲ
ከም ዝገብሮ ኣረዲኦም።