Monday, May 13, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰን ከባብኣን ዝርከቡ ሓረስቶት ብገዛኢ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ብዘይ ዝኾነ ተለዋጢ ቦታን ካሕሳን መሬቶም ይምንጠሉ ከም ዘለው ተሓቢሩ፣



ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ቀበሌ 02 ፍሉይ ከባቢ ኣብ ሞንጎ ስታድዮም-ሽረን ሆስፒታል ስሑልን ዝርከቡ ልዕሊ 35 ነባራት ነበርቲ። ብሕጋዊ መንገዲ ተዋህብዎም ክጥቀምሉ ዝፀንሐ መሬቶም መንግስቲ ንኮሎጅ ሕርሻ ክስራሓሉ ተደልዩ ኣሎ ብዝብል ምኽንያት ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካሕሳን ተቐያሪ መሬትን ልቐቑ ስለ ዝበሎም ኣብ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
  
እቶም ሓረስቶት ብሕጋዊ መንግዲ ንዘመናት ክንጥቀመሉ ዝፀናሕና መሬት ብሕጋዊ ካሕሳን ናሃቱ ተቐያሪ መሬት እንትዋሃበና ኢና ክንለቂቕ ንኽእል ብምብል ተቓዉምኦም የቕርቡ ከም ዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ። እንተኾነ ሓላፍነት ህዝቢ ዘይስምዖም ሰበ ስልጣን መንግስቲ እቲ ከባቢ ብህፁፅ ልቐቑ ቅያር ቦታ ድማ 100 ካሬ ጥራይ ክዋሃበኩም እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዝደሊ እንተሎ ድማ ብሊዝ ዓዲጉ ክዉስኽ ይኽእል እዩ እኳ እንተበሉ። እቶም ግዳያት ዝኾኑ ሓረስቶት ግና ብሊዝ መሬት ክንዕድ እንተኾይና ናይቲ ዝወሰድኩሞ መሬት ካሕሳ ክፈሉና እንተዘይ ኮይኑ ብድሌትና መረበትና ገዲፍና ንወፀሉ ምኽንያት የለን ብምባል ክሳብ ዝመፀ ሓይሊ ዝመፅእ ኣቕቢፆም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ሽረ-እንዳስላሰ መዓልታዊ ዝፍፀሙ ፍፃመታት ብሬድዮ ዴምህት ዝፍኖ ዘሎ መን እዩ ኣብዚ ከተማ ኮይኑ ዝራኽአቦም ዘሎ ብዝብል ኣብ ዉሽጢ ሰበ ስልጣን ዓብዪ ጭንቕንቕ ፈጢሩ ብምህላዉ። ነዚ ንምክትታል ካብ ማእኸል ሃገርን ክልልን ዝመፁ ብርክት ዝበሉ  ኣባላት ድህንነት ናብታ ከተማ ተዋፊሮም ኣብ ከቢድ ምንቅስቓስ ተፀሚዶም ኣብ ልዕሊ ነባሪ ሕብረተሰብ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ንምስላጥ ፀቕጢ ፈጢረምሉ ከም ዝርከቡ ንምፋልጥ ተኻኢሉ፣