ኣብ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ
ሰራሕተኛታት ብምኽንያት ዝሓለፈ ዓመት በዓል ትንሳኤ ፍቓድ ኣውሃህባ ንተወለድቲ ኣምሓራ ሓፂር ግዜ እንትዋሃቦም። ንተወለድቲ
ኦሮሞ ድማ ዝነወሐ ግዜ ምሃቦም። በቲ ስርዓት ኮነ ተባሂሉ ብሄር ምስ ብሄር ነፃፂልካ ንምግጫዉ ዝተገብረ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ
ኣረዲኡ።
እዚ ምዃኑ ዝተረድኡ ሰራሕተኛታት እቲ ፕሮጀክት ዝኾኑ ተወለድቲ ኣምሓራ
ቀልጢፎም ንኽምለሱ ዝተኣዘዙ ብርክት ዝበለ ቁፅሪ ዘለዎም እኳ እንተኾኑ። ካብ ዉሽጦም ክሳብ ሕዚ 500 ጥራሕ እንተተመለሱ።
ኣብቲ ፕሮጀክት ካብ ዕለት 2ን 3ን ግንቦትት 2005 ዓ.ም ጀሚሮም ስርሖም ጠጠዉ ኣቢሎም ብዘይ ዝኾነ ዘረባን ሰልፍን ናይ
ስቕታ ኣድማ ከም ዘካየዱን ኣብ ምክያድ ከም ዝርከቡን ተፈሊጡ።
ተወለድቲ ኦሮሞ ገና ክሳብ ሕዚ ኣብ ዕርፍቲ ግዚኦም ከም ዝርከቡ፣ እዚ ተግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ምፍፃሙ ድማ ተወለድቲ ኣምሓራ
ካብ ኦሮሞ ነፂልካ ሞራሎም ብምስባር ካብቲ ስራሕ ንምእላይ ዝተወሰደ ዉዲት ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ምስ ኣብርሀ። እቲ
ስርዓት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ሓደ ነገር ኣሎ ብምባል ብሓባር ኮይኖም ፍታሕ ንምምፃእ ምድላዋት ይገብሩ ከም ዘለዉ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብቲ ፕሮጀክት ተወለድቲ ኣምሓራ ዝኾና ክልተ
ኣሕዋት ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያቱ ብግልፂ ብዘይተፈለጠ ዝተቐተላ እንትኾና። እዘን ንሕልፈተ ህይወት ዝበቐዓ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ
ኣሕዋት ኣብቲ ትካል ክልትኤን ኣብ ሓደ ሞይተን ተረኺበን እናሃለዋ። ዝምልከቶም ኣካላት ስቕታ ምምራፆም። ኣብቲ ፍፃመ ኢድ
ሰበ-ስልጣን ወይ ድማ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ትካል ተሳትፎ ኣለዎ ዝብል ሕቶ በቶም ሰራሕተኛታት ብምብጋሱ ዓቕሎም ኣፅቢብሎም
ከም ዝርከብ ተሓቢሩ።
በዚ እከይ ተግባሮም ዝተጨንቑ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብቲ ፍፃመ ኢድ
ከም ዘይብሎም ንምምሳል። ካብ ባህርዳር ናብ ቻግኒ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶብስ ካብቲ ከባቢ ንእሽተይ ርሕቕ ኢሉ ‘’መሻጥ’’ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ብምግልባጣ ምኽንያት። ሓደጋ ካብ
ዝበፅሖም 17 ሰባት ዉሽጢ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝሞታ ከም ዝኾና ኣምሲሎም ከቕርቦ ይፍትኑ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
ኣፍሊጡ፣