ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ኣንካሻ ኣብ ናይ መማልኢ መረፃ ዝተሳተፉን ብተቓዋምነት
መርገፂኦም ዝፍለጡን ፍሉጣት ሰባት፣ ናይ ኢዶም ብርዒ ወይ ፅሑፍ ክፍለ ብምግባርን ካብ ቃሎም ብምርግጋፅን ስለ ምንታይ ካልኦት
ዉድባት መሪፅኩም ብምባል፤ ብዕሱባት እቲ ስርዓት መዓልታዎ ምንቅስቓሶም ክትትል ክግበረሎምን ካብ ዝኾነ ጥቕማ ጥቕሚ ክግለሉ እናተገበረ
ምዃኑ ካብ’ቲ ቦታ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብ’ቶም
ንምንታይ ካልእ ተቓዋሚ ውድብ መሪፅኩም ብምባል። ንዉፁዓት ዜጋታትና ዘፈራርሑን ዘንከላብቱን ዘለው ዕሱባት መራሕትን ኣፈፀምቲ መረፃ
ካብ ዝነበሩ ኣሽማቶም ንምግላፅ።-
1ይ/ ኣቶ ባይነሳኝ ኣለሙ
2ይ/ ኣቶ ቢተው ካሳሁን እዚኦም ክልቲኦም ኣተሓባበርቲ
መረፃ ዝነበሩ እንትኾኑ፤ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣቶ ጌታየ ሁነኝ ዝተባሃለ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ዝርከብዎም እዮም።
እቲ
ስርዓት ኮነ ኢሉ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንምንታይ ንተቃወምቲ ውድባት መሪፅኩም ብዝብል ምኽኒት ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ብምግሃስ ኣብ
ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዝፍፅሞ ዘሎ ዘስክሕኽሕ ተግባር ርኡይ ፀረ ዴሞክራስያዊ መሰል ብምዃኑ፤ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ትካላት ነቲ
ስርዓት ተኸታትሎም ከቃልዕዎን ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ክሕተት ዝከኣሎም ግደ ክፃወቱ ገለ ምሁራት ሕጊ ሃገርና ፃዊዐቶም ኣብ
ምቕራብ ይርከቡ፣፣