Wednesday, May 22, 2013

ናብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተመልሱ ተፈናቐልቲ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ስቓይ ከም ዝርከቡ ካብቶም ግዳያት ንማዕኸናት ዜና ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ተካኢሉ።



እዞም ተፈናቐልቲ ኣብ ሓበሬቶኦም፣ ናይ ሕርሻ መሬት ከይሓርሱ ከም ዝተኸልከሉን፤ ከም’ዉን ብሕማምን ብጥሜትን እናተሳቐዩ ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ፣ ዝኾነ ይኹን ቆላሕታ ዝገብረሎም መንግስታዊ ኣካል ከም ዘይረኸቡ ድሕሪ ምግላፅ፣ ዳግም ናብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጎኑ ከም ዘለዉን ዛጊድ ልዕሊ 6 ዜጋታት ብዘይ ሓደ ምኽንያት ተኣሲሮም ምህላዎም ድማ ኣመልኪቶም።
   እዞም ግዳያት ወሲኾም እንትገልፁ፣ መንግስቲ ናብ ዝነበርናዮ ከባቢ ክንምለስ ዝገብረ ብዛዕባ ዜጋታቱ ተገዲሱ ዘይኮነስ፣ ነቲ ዝፈፀሞ ገበን ንምሽፋንን ካብ ህዝቢ ዓለም ንዝበፅሖ ተፅዕኖ ከም ዝተቐበሎን ጌግኡ ከም ዝኣረመን መሲሉ ንምቕራብ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
   ኣብ መወዳእታ እዚ ካብ አርባ ጉጉ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ተዛረብቲ ኣምሓርኛ  ዝበፅሕ ዘሎ በደል፤ ግፍዕን ዘርኢ ናይ ምፅራይ ስጉምትን ኣብ ናይ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ዘኽስስን ዘቕፅዕን ምዃኑ መርትዖታት ከም ዘለዎም ዶ/ር ያእቆብ ብዝዕባ እዚ ጉዳይ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ኣረዲኦም።