ኣብ
ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከተማ ቦና ኣብቲ ከባቢ ብ29 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም ዝተለዓለ ህዝባዊ ተቓዉሞ ተኸቲሉ ካብ
40 ሰባት ንላዕሊ ብኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ተዓፊኖም እንትዉሰዱ። ካብ 8 ሰባት ዘይዉሕዱ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ
ድብደባ ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት ከም ዝርከቡ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣
እቲ
ግጭት ዝተፈጠረ ሽሞም ኣቶ በደሌ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጡ በዓል ሃፍቲ። ሕብረትሰብ እቲ ከባቢ ዝጥቀመሉ ፈልፋሊ ማይ መንዚዖም ናብ
ዉልቃዊ መራብሒ ከፍቲ ትካሎም ንኽዉዕል ጥራይ ምሕሳቦም ዝተዓዘበ ህዝቢ ስለ ዝተቓወሞም። እቶም በዓል ሃፍቲ ህዝቢ ተቓዉሞ
እንትጅምር ኣብቲ ከባቢ ሰፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኣፀዊዖም ኣብ ልዕሊ ዝተቓወሙ ስጉምቲ ንኽወስደሎም ከም ዝሓተቱ ተሓቢሩ።
እቶም
ወተሃደራት ካብ 40 ንላዕሊ ዝኾኑ ንፁሃት ሰባት ኣብቲ እዋን ዓፊኖም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ምስ ወስድዎም። ሽዑ ንሽዑ እቶም
ልዕል ኢልና ሽሞም ዝተቐስናዮም ዉልቃዊ ረብሕኦም ዘኻዕብቱ በዓል ሃፍቲ ዓብዪ ድግስ ኣዳልዮም ብምፅዋዕ ከም ዘብልዕዎምን
ዘስተይዎምን ብዓይኖም ዝተዓዘቡ ነበርቲ ገሊፆም፣
በቲ ካብ
ጎንደር 40 ኪሎ ሜትር ርሕቓ ኣብ ትርከብ ከተማ ቦና ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ዝተወሰደ ኢ-ሰብኣዊ ስጉምቲ ቤተሰቦምን
ስድርኦምን ኣብ ዘለዓለ ጭንቀት ከም ዝርከቡ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ። ሰበ ስልጣን እቲ ከበቢ ግና ኣብ ልዕሊ ሕብረትሰብ
ንዝተፈፀመ ግፍዒ መብርሂ ንኽህብሉ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ከም ዘይኮኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።