ሰራዊት ምክልኻል ሃገርና ናብ ውትድርና ተታሊሉ ዝኣተወ ስለ ዝኾነ ብተግባር ድማ ኣብ ልዕሊ
ኣባል ምክልኻል ሰራዊት ብዙሕ ግፍዕታት እናተፈፀመን ጠሪዑ ‘ውን ናይ ቀረባ ኣዘዝትኻ ዝበሉኻ ግበር ዝብል ድፉን መልሲ ስለ ዝዋሃቦን
ነዚ ብምቅዋም በብዝረኸቦ ኣንፈት ይጠፍእ ከም ዘሎ እቶም ወታሃደራት ሓቢሮም፣
ተመስገን ዮውሃንስ ዝተባሃለ ሓደ ካብዞም ወታደራት። ፌዴራል ፖሊስ
ክትቁፀሩ ትደልዩ ዝብል በቲ ስርዓት ዝወፀ ምልክታ ኣምቢቡ እኳ እንተኣተወ ተቐቢሎም ግን ኣብ ክንዲ ናብ ፌደራል ናብ ሰራዊት ምክልኽል
ከም ዝወሰድዎ ሓቢሩ፣
ንሱ ኣስዒቡ ብሬን ክዓጥቕ ንዝቀረበሉ ሕቶ ጉልበት ይኹን ጥዕና የብለይን
ኢሉ ስለ ዝመለሰ ጥራሕ ሻምበል ገብሩ ብዝተባህለ ናይ ቀረባ ኣዛዚኡ ብዙሕ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊኡ ከም ዝወረደ። ክሳብ ኣብ ጫካ
ወሲዶም ክንቀትለካ ኢና ብምባል ብብረት ከም ዘፈራርሕዎን። ብዘይፍርዲ ንኣዋርሕ ኣሲሮም ከም ዘሳቐይዎ ድሕሪ ምጥቃስ እዚ ግፍዒ
እዚ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዝፍፀም ዘሎ ተግባር ከም ዝኾነ ኣረዲኡ፣
ብተወሳኺ ብዛዕባ ንሞያዊ ስልጠና ዝግበር ምልመላን፣ ኣወሃህባ ማዓርግን
ብዙሕ ኣድልዎ ከም ዘሎን ብግበርለይ ክገብረልካን ብቢሄርን ከም ዝፍፀም ዝገለፀ ወታደር ተመስገን ዮውሃንስ። ኩሉ ሰራዊት ተገዲዱ
ዳኣ እምበር ንሕገ-መንግስቲ ኣሚኑን ነቲ ስርዓት ደጊፉን ኣይኮነ ብረት ዓጢቑ ዘሎ ክብል ገሊፁ።
ኣስማት ናይዞም ኣርባዕተ ወታደራት ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፣-
1. ተመስገን ዮውሃንስ ገ/መድህን ካብ ማእኸላይ እዚ ናይ መበል
24 ክ/ጦር ኣባል ክፍሊ ስለያ ካብ ብሄረ ትግራይ።
2. ከበደ ኣላየሁ ኣበራ ካብ ሴምየን እዚ ናይመበል 22 ክ/ጦር
1ይ ረጅመንት 2ይ ሓይሊ 1ይ ጋንታ 3ይ መስርዕ ካብ ብሄረ ኣምሓራ፣
3. ምትኩ ሃይለ ደንጓስ ካብ ሴምየን እዚ ናይ መበል 11 ክ/ጦር
2ይ ረጅመንት 4ይ ሻምበል 2ይ ጋንታ 2ይ መስርዕ ካብ ብሄረ ሲዳማ
4. ሓለቓ ዓሰርተ ከፍ ኣለው ያዘው ለገሰ ካብ ሴምየን እዚ ናይ መበል
11 ክ/ጦር 7ይ ረጅመንት ናይ 1ይ ሳምበል ፐርሰናል ዝነበረ ካብ ብሄረ ኦሮሞ እዮም፣