Wednesday, June 5, 2013

ኣብ መተማ ገንዳውሃ ኣብ ዝተበሃለ ከተማ 20 ግንቦት 2005 ዓ/ም ሕርሻ መሬቶም ዝተሓደጉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ፣



ኣብ’ቲ ኣኼባ ምክትል ምምሕዳር ናይ’ቲ ክልል ከም ዝርከቡ ተገሊፁ እኳ እንተነበረ። በቲ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተረኸቡ ግና ሓላፊ ምምሕዳር ሰሜን ጎንደር ኣይተ ግዛት ኣብዩ ከም ዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።  ኣብ ዙርያ እቶም መሬቶም ዝተሓደጉ ዝተኻየደ ኣኼባ ዕሙቕ ዝበለ ክርክር ብዘይምክያዱ ኣብ ስምምዕ ዘይተበፅሐ እንትኾን። ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣይተ ግዛት ንዘቕረብዎ “እቲ ዝተሓደገ መሬት ክትለቅዎ ኣለኩም” ንዝብል ምፍርራሕ ዝተሓወሶ መደረ። እቶም ኣኼበኛታት ብሓደ ድምፂ ከም ዝተቓወምዎ ወሲኹ የረድእ፣
  በቲ ተቓዉሞ ህዝቢ ዝቀሓሩ ኣይተ ግዛት ኣስዒቦም “ክሳብ ኣፍንጭኡ ዝተዓጠቐ ሰራዊት እዩ ዘለና። ናብ’ቲ ሜዳ ንምምፃእ የብቅዕኹም…” ክብሉ ናብቲ ኣኼብተኛ ንዘቕረብዎ መፈራርሒ ቃል። እቶም ተኣከብቲ ሓረስቶት ድማ ብሕራነ “መሬትና ኣይንለቅቕን፤ ሰራዊት ምክልኻል‘ውን ክቐትለኩም እየ እንተበለ ይቕተለና” ብምባል ብሓደ ድምፂ ከም ዝመለስሎም ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
   ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣባላት ኢህወዴግ ንበይንቶም ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ብምእካብ። ፀገም ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ንዝብልዎም ሰባት ስጉምቲ ክወስድሎም ከም ዘለዎም መምርሒ ብዝተመልኦ ፈኪሮም ከም ዝኸዱ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልፅ፣
  እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ ነጋዶን ሰብ ሃፍትን። “ራኢ መለስ” ብዝብል ዝተፀሓፈ መፅሓፍ ካብ 2 ሽሕ ክሳብ 5 ሽሕ ቅርሺ ግዝኡ ብምባል ሰበ ስልጣን ቀበሌታት ዝላዓለ ፀቕጢ እናፈጠርሎም ምዃኖም ምስ ገለፁ። ሕድ ሕድ ቀበሌ እቲ መፅሓፍ ሸይጣ ካብ 4 ሽሕ ክሳብ 5 ሽሕ ቅርሺ ኣታዊ ክትገብር ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣዚዛ ከም ዘላ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣ 
   ብኻልእ ወገን ቁፅሮም 5 ሚኢቲ ዝበፅሑ ምልሻታት ካብ ወረዳ ደባርቕ ብምእካብ ንፍሉይ ስልጠና ካብ 21 ግንቦት 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ድብ ባህር ዝተባሃለ ቦታ ልምምድ እናገበሩ ዝርከቡ ኮይኖም። ምኽንያት እቲ ስልጠና’ውን ኣብ’ቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ዕጡቛት ሓይልታት ዝተታሓሓዘ ምዃኑ ኣረዲኡ፣