Wednesday, June 5, 2013

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰማይዊ ፓርቲ ዝተፀወዐ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ። ብ25 ግንቦት 2005 ዓ.ም ብኣሻሓት ብዝቑፀሩ ሰልፈኛታት ብዝተረኸብሉ ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ፣



ድሕሪ መረፃ 1997 ዓ.ም ተኸቲሉ ዝተለዓለ ተቓዉሞ ህዝብን ብመንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝተወሰደ ዘስካሕኽሕ ግፍዒ። ብመንግስቲ ተፈቒዱ ካብ ገዛን ኣብያተ ፀሎትን ወፃኢ ኣብ ማእኸል ጎደና ክካየድ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 25 ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ፈላማይ እኳ እንተኾነ። መንግስቲ ባዕሉ ፍቓድ ወሃቢ ባዕሉ ፀገም ፈጣሪ ብምዃን ኣብ ከባቢ ሾላ፤ የካ ሚካኤል ንዝርከብ ህዝቢ ጎስጓስ ዘካይዱ ዝነብሩ 6 ኣባላት ሰማያዊ ፓርቲ ብኣባላት ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዉዒሎም ዝተኣስሩ እንትኾኑ። ይኹን እምበር ልዕሊ 200 ዝኣኽሉ ነበርቲ እቲ ሰፈር ዝኾኑ ዜጋታት ተኣኪቦም ድፍረት ብዝተመልኦ ንኽፈትሕዎም ኣብ ከባቢ ፖሊስ ጣብያ ብዝገበርዎ ፃዕሪ እቶም ዝተኣሰሩ መናእሰይ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ከም ዝኻኣሉ ተፈሊጡ፣
   እቲ ንመላእ ህዝብታት ሃገርና ዝውክል ዝተኻየደ ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ዝቐንዐ ሓያል ተቓዉሞ ሰልፊ። ብኣሻሓት ዝቑፀር ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ኮይኑ ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዝተለዓሉ ሕቶታት። ብዘይ ዝኾነ ገበን ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ፖለቲከኛታት፤ ጋዜጠኛታት፤ መራሕቲ ሃይማኖትን ናይ ሕልና እሱራትን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ይፈትሑ፦ ብሽም ኣባይ ካብ ልክዑ ንላዕሊ ዝግበር ፖለቲካዊ ሸቐጥን ምትላልን ጠጠዉ ንኽብል፤ ኣብ ሃገርና ሰላም የለን፤ ነፃነት ዘይብላ ሃገር ፀልማት እያ፤ ናህሪ ዋጋታት ዘስካሕኽሖ መነባብሮና ፍታሕ ይገበረሉ፤ ምሁር ሓይሊ ኣብ ክንዲ ክእሰር ስራሕ ይፈጠረሉ፤ ህዝቢ ብሕገ-መንግስቲ ዝተፈቐደሉ ሰብኣዊን ዴሞክራስያዉን መሰላት ተኸቢሩ ዝተረኣዮ ክፅሕፍን ክዛረብን ብዘይ ገደብ ተግባራዊ ንኽኸዉን ዝፅዉዕ ከም ዝነበረ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣
   ብተወሳኺ ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዝነብሩ ጭርሖታት ምምሃር ኣብ ቃልቲ ኣይኣቱን፤ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ጣልቃ ምእታዉ ጠጠዉ የብል፤ ልምዓት እናበልኩም ሙስና ኣይትስርሑ፤ ህዝብና ፍትሒ ናፊቑ ኣሎ፤ መሰል ምሕታት  ገበን ኣይኮነን፤ መሰል ምሕታት ስልጣን ኣይኮነን፤ ሓሶት ኢትቪ ሌባ ኣሰልቺዉና፤ ሕቶ ማሕበረሰብ እስልምና ይመለሱ፤ ንሕገ-መንግስቲ ዝፃብኡ ኣዋጃት ንቃወም ዝብሉን ካልኦትን ተደጋጊሞም ብሰልፈኛታት ካብ ዝጭርሑ ዝነበሩ እዮም፣
   ነቲ ብሰላም ዝካየድ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣባላት ፀጥታ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ባዕልቶም ናብ ዕግርግር ቀይሮም። ድምፁ ንምስማዕ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝወፀ ህዝቢ ንምጭፍጫፍን ንምእሳርን ንምግልታዕን ሓሲቦም ብዙሕ ፈተናታት ኣካይዶም ክሳኻዓሎም ከም ዘይከኣለን። ብሰላም ተጀሚሩ ብሰላም ዝተዛዘመ ኮይኑ። ነቶም ኣብ’ቲ ሰልፊ ተላዒሎም ዘለዉ ሕቶታት ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ብቐዳምነት ኣብ እሱር ዝርከቡ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዜጋታትና እንተዘይ ፈቲሕዎም ግና እቲ ሰልፊ ዕላምኡ ክሳብ ዝወቅዕ ብቐፃሊ ክካይድ መደብ ተታሒዝሉ ከም ዘሎ ናይ’ቲ ሰልፊ ኣተሓባበርቲ ኮሚቴ ንሚድያታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣገንዚቦም፣