Monday, June 17, 2013

ሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህቲ ኣዲስ ኣበባ ስለ ምንታይ መንግስቲ መሃያ ዘይዉስኸልና ዝብል ሕቶ ብምልዓሎም ጥራይ ልዕሊ 200 ከም ክባረሩ ከም ዝተገብረ ተገሊፁ።



ኣብ ትካል ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቦም ንዓመታት ክሰርሑ ዝፀንሑ ሰራሕተኛታት በቲ ዝኽፈሎም መሃያ ምስቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ዕዳጋ ተደሚሩ መነባብርኦም ንምምራሕ ስለ ዝተፀገሙ፤ መንግስቲ ፀገሞም ተረድኡ ስለ ምንታይ ክሳብ ሕዚ ወሰኽ መሃያ ዘይገበረ፤ ሕዚ እዉን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ነቲ ዝለዓል ዘሎ መሰረታዊ ሕቶ ህይወት ስድራቤታት ምዃኑ ተረድኦም ደሞዝ ወሰኽ ክገበር ኣለዎ ክብሉ ብግልፂ ኣብ ቅድሚ ተኣከብቲን ኣከብትን ብምዝራቦም ካብ ስርሖም ክስጎጉ ከም ዝተገበረ ተሓቢሩ።
ኣስዒቦም እቶም ስራሕተኛታት ኣብ ሕትኦም፣ ታሕተዎት ሰራሕተኛታት ብዘይ እኹል መሃያ ኣብ ፀገም ወዲቕና እንትንፅገም፣ ንስኹም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ግና ብዘለኩም ስልጣን ተጠቕምኩም ኣብ ወፃኢ ሃገራት ብርክት ዝበል ገንዘብ ተቐምጥጡን ደረጅኡ ዝሓለወ ምስ ኣታዊኹም ዘይመጣጠን ገዛውቲ  ትሰርሑን ኣለኹም ክብሉ ብትሪ ብምዝራቦም ደስ ዘይበሎም ሰበ ስልጣን፤ ደይ መደይ ኢሎም ከይ ወዓሉ ከይሓደሩ ካብ 200 ዝበልፁ ሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህቲ ክባረሩ ከም ዝተበረ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብካልእ ወገን መንግስቲ ነቶም ቅኑዕ  ሕቶ መሃያ ብምብጋሶም ካብ ስርሖም ዝሰጎጎም ሰራሕተኛታት፤ ኣብ ትካል ሓይሊ መብራህቲ ዝተፈላለዩ ዓንቀፊቲ ስራሐቲ ብምስራሕ መስመራት መብራህቲ ክቋረፅን ህዝቢ ዝግባእ ኣገልግሎት ከይረክብ እናገበሩ ዝፀንሑ ፀረ-ህዝቢን መንግስትን እዮም ብዝብል መልክዑ ቀይሩ ንፖለቲካዊ መኽሰቡ የዉዕሎ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኽበ  ሓበሬታ ወሲኹ የገንዝብ።