እቲ ብሓላፊ መሰልጠኒ ማእኸል ጦላይ ኮሌኔል መንግስቱ ተኹሉን ምክትሉ ኮሌኔል ኣለሙን ኣብ ዝመርሕዎ መዛዘሚ ገምጋም፣ እቶም ክስልጥኑ
ዝፀንሑ መኮነናት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኢህወዴግ ብዛዕባ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኣብ ሕገ-መንግስትን ንዕኡ መፈፀሚ
ኣብ ዝወፁ ደምብታትን ሰፊሮም ዝርከቡ መሰላት ብተግባር ተተርጒሙ ክስራሓሉ ብዘይምኽኣሉ ኣብዛሓ ወተሃደር ኣብ ሕማቕ ስምዒት
ከም ዘሎ ምስ ገለፁ፣ በዚ ምኽንያት ኣብቲ ስርዓት ኣሚኑ ዝሰርሕ
ኣባል ሰራዊት ዳርጋ ከም ዘየለ ኣብቲ መድረኽ ምግላፆም ተፈሊጡ።
እቶም ስልጠነኦም ዝወድኡ ወታሃደራት ኣብ ቅድሚ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ
እቲ መሰልጠኛ ካብ ዘለዓልዎም ሕቶታት፣ መንግስቲ ንኣባላት ምክልኻል ሰራዊት
ተባሂሉ ዝወፀ ሕግታት ዘይትግበር ንምንታይ? ንሕና ይኹን እቶም ኣብ ኣሃዱ ዘለዉ ወተሃደራት ኣብ ሰራዊት ኣሚና
ዘይኮና ተዓፊና ኢና ንኸይድ ዘለናን ብቀንዱ ከዓ ዝኾነ ኣባል ምክልኻል ግዜ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ክሰናበት ኣብ ዝሓተሉ ሕትኡ
ተሰሚዑ ንምንታይ ዘይፋኖን መንግስቲ ዝኣትዎ መብፅዓ ዘይትግበርን ዝብሉን ካልኦት ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ብዙሓት ዛዕባታት ብምልዓል
ንመራሕቲ እቲ ኣኼባ ዓቕሎም ከም ዘፅበብሎም ተፈሊጡ።
ኣብ መወዳእታ ኮሌኔል መንግስቱ ተኹሉን ምክትሉ ኮሌኔል ኣለሙን
ንተኣከብቲ ብዘለዎም ስልጣን ተጠቕሞም ብምፍርራሕ፤ ንስኹም ተልዕልዎ ዘለኹም ሕቶ ዘፃድፍ ስለ ዘይኮነ፤ ንዝመፅእ ሓዱሽ ዓመት
ክትግበር እዩ ዝብል ሸፈጥ ዝተመልኦ መልሲ ብምዝራቦም እቲ ገምጋም ብዘይፍረ ከምተዛዘመ ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ የረድእ።