ኣብ
ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ዝነብር ህዝቢ ዝኾነ ህዝባዊ ኣገልግሎት ካብ መንግስቲ ኣብ ዝሓተሉ እዋን ኣቐዲሙ ኣባል ናይ’ቲ
ዉድብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምሕታት ልሙድ መሰርሕ ኮይኑ
ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ኣባል ኢህወዴግ እንተዘይኮይኑ
ዝሓተቶ ብዘይምላሽ ክምለስ ይግደድ ከምዘሎ ከብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ካብ ዝነበረ ብዝበኣሰ
ተበላሽዩ ዝርከብ ኮይኑ፤ ተገልጋሊ ህዝቢ ኣብ ዉስን ሰዓት ክዉዳእ ዝኽእል ጉዳያቱ ካብ መዓልቲታትን ሰሙናትን ተሳጊሩ ንኣዋርሕ
ክመላለስ ናይ ስራሕ ግዚኡ ብከንቱ ከጥፍን። ዓቕሉ ምስ ፀበቦ ድማ ማእለያ ዘይብሉ ግቦ ክኸፍል ይሕተት ብምህላዉ፤ ህዝቢ ኣብ
ከቢድ መዋጥር ተቐርቂሩ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።