Wednesday, July 10, 2013

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ፍታሕ ብዘይብሉ ፀገም ዝስተ ፅሩይ መረረቶም የስምዕ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ኣብ’ዚ ቅንያት ጥራይ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ንልዕሊ 6 መዓልታት ዝስተ ፁሩይ ማይ ጠቕሊሉ ከም ዝጠፈኣን፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ፈቐዶ ጎዳጉዲ እናኣለሹ ቀዲሖም ክስተዩ ይግደዱ ብምህላዎም ብርክት ዝበሉ ህፃናትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ኣካላት ሕብረትሰብ ብዝተፈላልዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይጥቅዑ ከም ዘለዉ ኣረዲኦም።

 ብተመሳሳሊ ህዝቢ ከተማ ሽረ ንዓመታት ከሳቕዮ ዝፀነሐ ሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝኸፈአ መልክዑ ኣጋጢሙ ብምህላዉ፣ ብሰንኩ ንሓንቲ ፅሬታ ዘይሓለወት ጀሪካን ማይ ብሒሳብ 3 ብር ገዚኦም ክጥቀሙ ይግደዱ ዘለዉ ኮይኖም፤ ብፍላይ ድማ ፅሩይ ማይ ዘድልዮም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ንኸቢድ ክሳራ ተቓልዖም ከምዘለው ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሽረ ተዳጊኖም ዝርከቡ ብኣሻሓት  ዝቑፀሩ  እሱራት ብሰንኪ ሕፅረት ማይ ዉልቃዉን ከባብያዉን ፅሬት ክሕልዉ ብዘይምኽኣሎም ንዝተፈላልዩ ባልዓት ታህዋስያን ተቃሊዖም ኣብ ከቢድ ናይ ህይወት ሕቶ ወዲቖም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ካብ ውሽጢ ፍለጥቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ የረድእ።